ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ናይታ ኣብ ሶማል ብ4 ግንቦት ዝወደቐት ነፋሪት ምሉእ ሓላፍነት ወሲዱ

Radio Erena: 10 May 2020

ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ናይታ ኣብ ሶማል ብ4 ግንቦት ዝወደቐት ነፋሪት ምሉእ ሓላፍነት ወሲዱ።
ሚኒስትሪ ምክልኻል ኢትዮጵያ ንሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዝለኣኾ ደብዳቤ፣ እታ ናውቲ ሕክምና ጽዒና ዝነበረት ነፋሪት፣ ሰራዊት ኢትዮጵያ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ንምፍጻም ዝመጸት መሲሉዎ ብጌጋ ሃሪሙ ከምዘውደቓ ተኣሚኑ።
ንመኸተ ኮሮና ቫይረስ ዝሕግዝ ናውቲ ሕክምና ጽዒና ከምዝነበረት ዝተገልጸት እታ ዋንነት ኬንያ ዝኾነት ነፋሪት፣ ንኽትዓርፍ ሒደት ደቓይቕ ምስ ተረፋ እያ ተሃሪማ።
ኣብታ ነፋሪት ዝነበሩ 6 ሰባት ብኡ ንብኡ ከምዝሞቱ እኳ እንተተገልጸ፣ ዛጊት ናይ 5 ሰባት ሬሳ ጥራይ እዩ ተረኺቡ ዘሎ።
መንግስቲ ኬንያ ነዚ ብዝምልከት ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ እቶም ነታ ነፋሪት ዝሃረሙ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ኣካል ናይቲ ኣብ ሶማል ዓስኪሩ ዘሎ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ብዘይምዃኖም፣ እቲ ኩነታት ዝያዳ መብርሂ ክወሃቦ ሓቲቱ’ሎ።
እታ ነፋሪት ኣብ እትበረሉ ዝነበረት እዋን፣ ዝኾነ ርክብ ከምዘይነበራ፣ ብተደጋጋሚ ዝተገብረ ፈተነ እውን ካብቲ ፓይለት ምላሽ ከምዘይረኸበን እዩ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝገልጽ ዘሎ።
ኣካል ዓቃብ ሰላም ዘይኮነ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ሶማል ምህላዉ፣ ድሮ ካብ ተቓወምቲ ሓይልታት ሶማል ኣሉታዊ ምላሽ ክወሃቦ ጀሚሩ ኣሎ።
እታ ነፋሪት ንኽትዓርፍ ካብ ሲቪል ኣቭየሽን ሶማል ፍቓድ ተዋሂቡዋ ከምዝነበረ ዘመልከቱ ካልኦት ወገናት ከኣ፣ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ መሬት ሶማል ነፈርቲ ሃሪሙ ከውድቕ ብዝኾነ መለክዒ ቅቡል ዘይምዃኑን፣ ምጥሓስ ሉእላውነት ሃገር ምዃኑን ይገልጹ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0