ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ብዝወረደ ሓያል ዝናብ፣ ልዕሊ 200 ሰባት ሞይቶም

Radio Erena: 08 May 2020

ኣብ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃን ዞባ ዓበይቲ ቀላያትን ብዝወረደ ሓያል ዝናብ ኣስታት 300 ሰባት ከምዝሞቱ ተገሊጹ።

ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ብዝወረደ ሓያል ዝናብን ዝፈጠሮ ዕልቅልቕን ኣብ ኬንያ ጥራይ ኣስታት 200 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ሶማል ብወገና ሞት 16 ሰባት መዝጊባ።

ኣብ ዞባ ዓበይቲ ቀላያት ኣብ እትርከብ ርዋንዳ’ውን 55 ሰባት ሞይቶም።

ኡጋንዳ፣ ኣማኢት ሰባት ብዕልቕልቅ ተኸቢቦም ብምህላውም፣ ሞት 10ታት ዜጋታታ ከየጋጥም ስግኣታ ገሊጻ ኣላ።

ብሰንኪ’ዚ ኣብ ዞባታት ቀርኒ ኣፍሪቃን ዓበይቲ ቀላያትን ዘጋጠመ ባህርያዊ ሓደጋ፣ ኣሽሓት ሰባት ካብ መነባብርኦም ተመዛቢሎም ይርከቡ።

ኣብዚ ዞባ፣ ኣብዚ ሒዝናዮ ዘሎና ወርሒ ግንቦት፣ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ክዘንብ ዝበጸንሐ ዓቐን ብዝሒ ማይ ክዘንብ ከምዝኽእል ክኢላታት ሜትዮሮሎጂ ኣሚቶም ኣለዉ።

ኣብ ከም በዓል ኤርትራ ዝኣመሰላ ናይ ማይ ሕጽረት ዘለወን ሃገራት እዚ፣ ክወርድ ጀሚሩ ዘሎ ዝናብ ተስፋ ዝህብ እኳ እንተኾነ፣ ኣብ ገሊኤን ሃገራት እቲ ዞባ ባህርያዊ ሓደጋታት ከየኸትልን ኣብቲ ዞባ ንዝርአ ዘሎ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ከየጋድድን ስክፍታታት ኣሎ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0