ሱዳን፣ ኣብ ዞባ ዳርፉር፣ ብቀቢላዊ ግጭት 30 ሰባት ተቐቲሎም

Radio Erena: 08 May 2020

ኣብ ሱዳን ዞባ ዳርፉር፣ ኣብ መንጎ ኣዕራብ ሚሊሻን ናይ ዓረብ መበቆል ዘይብሎም ወገናትን ብዝተጎሃሃረ ግጭት ብውሕዱ 30 ሰባት ከምዝተቐትሉ ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ሱዳን ኣፍሊጡ።

እቲ ብ5ን 6 ን ግንቦት፣ ኣብ ደቡባዊ ዳርፉር ዝተኻየደ ግጭት፣ ሰራዊት ብምውፋር፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከምዝኣተወ ገሊጹ።

እንተኾነ፣ እቲ ኣብ ሩማሊ ዝተባህለት ቁሸት፣ ኣብ መንጎ ፋላጣን ሪዜጋትን፣ ብሰንኪ ዝምታ ከብትን ጤሌበጊዕን ከምተወልዐ ዝተነግረ ቀቢላዊ ግጭት፣ ገና ምትፍንናን ፈጡሩ ከምዘሎ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ዜና ካብቲ ከባቢ ኣመልኪቶም።

ኣብ ዞባ ዳርፉር ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ዝጸንሐ ምትፍንናን ናይ ዓረብ ዘርኢ ዘለዎምን ዘይብሎምን ዓሌታት፣ ኣብ 2003 ናብ ጥርዙ ዓሪጉ፣ ህይወት ኣማኢት ኣሽሓት ዘህለቀን ዘከላበተን ግጭታት ምኽሳቱ ይፍለጥ።

እቲ ኣብ ቀቢላን ዓሌትን ዘተኮረ ግጭታት ንምህዳእ ንነዊሕ ዓመታት ዝተኻየደ ጻዕርታት ምሉእ ሰላም ከውሕስ እኳ እንተዘይክኣለ፣ ብተዛማዲ ግና ግጭታት ኣጕዲሉ’ዩ።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0