ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ 20 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ናውቲ ሕክምና ንሱዳን ለጊሳ

Radio Erena: 07 May 2020

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ኣስታት 20 ሚልዮን ዶላር ዝተገመተ ዝተፈላለየ ናውቲ ሕክምና ንሱዳን ከምዝለገሰት ማዕከን ዜና ኸሊዥ ታይምስ ኣፍሊጡ።

እቲ ሓገዝ፣ ኣካል’ቲ ሕቡራት ኢማራት ዝሓለፈ ዓመት ንሱዳን ዝኣተወትላ ናይ 1.5 ቢልዮን ዶላር መብጽዓ ምዃኑ’ዩ ተገሊጹ።

እታ ዓረባዊት ሃገር፣ መንግስቲ ሱዳን ኣብ ጉዳይ ሊብያ ንዝኽተሎ ፖለቲካዊ መርገጺን ፖሊሲታትን ኣብ ግምት ብምእታው ነቲ ሓገዝ ከምዝልኣኸቶ’ዩ ዝግለጽ።

ኣቐዲማ፣ ንጀነራል ሓፍታር ናይ ሊብያ ንምሕጋዝ ዝዋፈሩ ሚሊሻታት ካብ ሱዳን ክትዓስብ ዝጸንሐት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ብተቓውሞ ህዝቢ ደው ከምዘበለቶ’ዩ ተሓቢሩ።

እንተኾነ፣ እታ ሃገር ኣብዚ እዋን’ዚ’ውን፣ ነቲ ብሕቡራት ሃገራት ተፈላጥነት ዘለዎ መንግስቲ ሊብያ ንምዕላው ምስ ዝንቀሳቐስ፣ ብጀነራል ከሊፋ ሓፍታር ዝምራሕ ሓይሊ ብመንገዲ ሱዳን ትድግፍ ምህላዋ’ዩ ዝጥቀስ።

ብሓላፊ ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን ታሕኑን ቢን ዛይድ ዝምራሕ ልኡኽ ኢማራት፣ ኣርማ ማንቸስተር ሲቲ ብዝተለጠፋ ነፋሪት ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ካርቱም ምስጢራዊ ዑደት ብምክያድ ኣብ ጉዳይ ሊብያ ከምዝተመያየጠ ምቅልዑ ይዝከር።

COMMENTS

WORDPRESS: 0