ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ብዘካይድዎ ዘለዉ ጽዑቕ ግፋ ኤርትራውያን ስደተኛታት ይከላበቱ ኣለዉ

ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ብዘካይድዎ ዘለዉ ጽዑቕ ግፋ ኤርትራውያን ስደተኛታት ይከላበቱ ኣለዉ

Radio Erena: 09 June 2017

Sudan refugee Card

ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ጽዑቕ ግፋ ኣብ ዘካይድሉ ዘለዉ እዋን ኣሽሓት ኤርትራውያን ነበርቲ ካርቱም ካልእ ከተማታትን ይከላበቱ ከምዘለዉ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ካብታ ሃገር ሓቢሮም።

እቶም ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን፣ ነዚ ግፋዚ ብጽዑቕ ካብ ዝጀመርሉ ኣብዚ ሳልስት’ዚ ጥራይ፣ ኣብ ጎደናታትን ብኣጋር ካብ ዝንቀሳቐሱን ራክሻን ካልእ መጓዓዝያታትን ደው እናበሉን፣ ቁጽሮም ዛጊት ብልክዕ ዘይተነጸረ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣሲሮም ኣለዉ።

ፖሊስ ሱዳን፣ ገዛ ገዛ እናተኣተዉ ምፍታሽ እኳ እንተዘይጀመሩ፣ ኣብዚ ቀረባ ምጅማሮም ኣይተርፍን’ዩ ካብ ዝብል ስግኣት፣ ኣሽሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት ተሾቕሪሮም ከምዘለው ክፍለጥ ተኽኢሉ ኣሎ።

ብዙሓት እዚ ግፋ ዘጨነቖም ኤርትራውያን ስደተኛታት ከኣ ናይ ኤርትራ ወረቀት መንነት ንምሓዝ ናብ ኤምባሲ ኤርትራ እናኸዱ ናይ ጣዕሳ ፎርም ክመልኡ ይርኣዩ ከምዘለዉ እቶም ምንጭታት ብተወሳኪ ጠቒሶም።

ሓድሽ መንበሪ ፍቓድ ወይ ብጣቓ ንዘይብሉ ካብ 5 ክሳብ 7 ሽሕ ፓውንድ ሱዳን ከኽፍሉ እንከለዉ፣ ነዚ ክኸፍል ዘይክእል ከኣ ክሳብ ሽዱሽተ ወርሒ ክእሰር ምዃኑ’ዮም ዘፈራርሑ።

ሓድሽ መንበሪ ፍቓድ ወይ ብጣቓ ንምውጻእ ኣስታት 2 ሽሕ ፓውንድ ሱዳን ከምዘድሊ ዝሓበሩ እቶም ምንጭታት፣ ብብልሽውናን ጉቦን ግኑን ስም ዘለዎም ፖሊስን ሓይልታት ጸጥታን ሱዳን ግና ወረቐት ንዘይብሉ ሰብ ከምድላዮም ገንዘብ ከምዝስልዕሉ ኣገንዚቦም።

ሱዳን፣ ድሕሪ’ቲ ምስ ሃገራት ኤውሮጳ ዝኸተመቶ ብ”ካርቱም ፕሮሰስ” ዝፍለጥ ምስርሕ ምቁጽጻር ዋሕዚ ስደተኛታት፣ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዘድሃበ ጽዑቕ ግፋ ከተየካይድ እዚ ናይ ፈለማ እዋና ኣይኮነን።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0