ፕረዚደንት ሳልቫ ኪር፣ ብዛዕባ ሃገሩ ኣመልኪቱ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝካየድ ኣኼባ ኢጋድ ከምዘይሳተፍ ኣፍሊጡ

ፕረዚደንት ሳልቫ ኪር፣ ብዛዕባ ሃገሩ ኣመልኪቱ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝካየድ ኣኼባ ኢጋድ ከምዘይሳተፍ ኣፍሊጡ

Radio Erena: 11 June 2017

Salva Kir

ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫ ኪር ሚያርዲት፣ ብዛዕባ ሃገሩ ኣመልኪቱ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝካየድ ኣኼባ ኢጋድ ከምዘይሳተፍ ኣፍሊጡ።

እቲ ፕረዚደንት ኣብቲ ሰኑይ 12 ሰነ ዝካየድ ኣኼባ ከምዘይሳተፍ ዝገልጽ ደብዳቤ ናብ ኢጋድ ከምዝልኣኸ ኣፈኛኡ ኣተኒ ዌክ ኣተኒ ሓቢሩ።

ይኹን’ምበር እቲ ፕረዚደንት ኣብቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝካየድ ፍሉይ ኣኼባ ደቡብ ሱዳን ዘይሳተፈሉ ምኽንያት፣ ኣብ ዘቤታዊ ጉዳያት ዘተኮረ ዕዮ ከምዘለዎ ካብ ምጥቃስ ሓሊፉ፣ ብንጹር ኣይገለጸን።

ኤርትራ እትርከቦ ሸሞንተ ኣባላት ሃገራት ዝሓቖፈ ኢጋድ፣ ኣብ ህሉው ኩነታት ደቡብ ሱዳን ዘተኮረ ኣኼባ ከካይድ እዚ ንፈለማ እዋኑ ኣይኮነን።

ኢጋድ፣ ብመሪሕነት ኢትዮጵያ ኣብ ደቡብ ሱዳን ዕርቂን ሰላምን ንምስፋን ዘካየዶ ናይ ኣስታት ክልተ ዓመታት ጻዕሪ ኣይተዓወተን።

ፕረዚደንት ኪር ኣብዚ ጽባሕ ዝካየድ ኣኼባ ዘይሳተፈሉ ዘሎ ምኽንያት’ውን ካብ ኢጋድ ተስፋ ስለዝቖረጸ ክኸውን ከምዝኽእል ሓያሎ ወገናት ትንታነታቶም ይህብሉ።

=====================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0