33 ተቓወምቲ ውድባት ኢትዮጵያ ንእማመ ምርጫን ሕግታት ውድባትን ነጺገናኦ

Radio Erena: 04 August 2019

33 ተቓወምቲ ውድባት ኢትዮጵያ ንምርጫን ሕግታት ውድባትን ብዝምልከት ናብ ወከልቲ ባይቶ ዝቐረበ እማመ ከምዝነጸጋኦ ማዕከናት ዜና’ታ ሃገር ሓቢረን።
እተን 33 ተቓወምቲ ውድባት ብሓባር ብዕለት 1 ነሓሰ ኣብ ዝሃቦኦ ጋዜጣዊ መግለጺ፣ እቲ ቀሪቡ ዘሎ እማመ ብዉሑዱ 20 ክስረዝ ዘለዎ ዓንቀጻት፣ ከምኡ’ውን 13 ዓንቀጻት ምትዕርራይ ክግበረሉ ብምጽዋዕ እየን ነጺገንኦ።
ብመሰረት መግለጺ’ተን ውድባት፣ ክውሰኽ ኣለዎ ኢለን ዘቕረብኦ ርእይቶታት ኣብቲ እማመ ከምዘይተወሰኸ ድሕሪ ምግላጽ፣ ቦርድ ምርጫን፣ ነቲ እማመ ክጽሕፍ ዝቖመ ቆንስልን ብናጽነት ከምዘይሰርሑ ዘመልክት እዩ ክብላ መረረአን ገሊጸን።
እዚ ናብ ባይቶ ቀሪቡ ዘሎ እማመ እንተጸዲቑ፣ ኣብ ዝመጽእ ሓፈሻዊ ምርጫ መን ከምዝዕወት ድሮ ተፈሊጡ ኣሎ ማለት እዩ ዝበላ እተን ውድባት፣ ናይ ምእካብ፣ ምውዳብን፣ ምርጫን መሰል ዜጋታት ዝግህስ ስለዝኾነ፣ ሓደገኛ ኣንፈት ዘለዎ’ዩ፣ ክብላ እተን ውድባት ይገልጻ።
ኣብ መወዳእታ ከኣ ባይቶ ነዚ ቀሪቡ ዘሎ እማመ ምርጫን ኣቃውማ ሕግታት ተቓወምቲ ውድባትን ክነጽጎ ለበዋ ኣሕሊፈን።

COMMENTS

WORDPRESS: 0