ስዑዲ ዓረብ፣ ንደቀንስትዮ ናይ ምንቅስቓስ መሰል ዝህብ ሕጊ ኣጽዲቓ

Radio Erena: 04 August 2019

ስዑዲ ዓረብ፣ ደቀንስትዮ ብገዛእ ርእሰን ናይ ምንቅስቓስ መሰል ዝህብ ሕጊ ኣጽዲቓ።
ስዑዳውያን ደቀንስትዮ ብዘይ ፍቓድ በዓል ቤተን፣ ኣቦአን ወይ ዓቢ ሓወን ኣብ ዝሃለወ ዕድመ ይሃልዋ ፓስፖርት ክሓታ ይፍቀደለን ኣይነበረን።
በዚ ሓድሽ ወጺኡ ዘሎ ሕጊ፣ ደቀንስትዮ፣ ብዘይ ሓለዋ ወዲ ተባዕታይ ዘድሊ ናይ ቤተሰብ ደኩመንታት ካብ መንግስቲ ክሓታ እውን ክፍቀደለን እዩ።
ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ኣብ 2017 ንደረት ስልጣን ሃይማኖታውያን ፖሊስ ድሕሪ ምጽባቡ፣ ደቀንስትዮ’ታ ሃገር ማኪና ክመርሓ ተፈቒዱለን እዩ።
ኣብ ስዑዲ ዓረብ ብሰንኪ ዘሎ ጸቕጢ ኣብ ልዕሊ መሰል ደቀንስትዮ፣ ሓያሎ ስዑዳውያን ናብ ጎረባብቲ ሃገራትን ሃገራት ምዕራብን ብምህዳም፣ ዑቕባ ክሓታ ጸኒሐን እየን።
በዚ ሓድሽ ዝወጸ ሕጊ መሰረት፣ ስዑዳውያን ደቀንስትዮ ካብ ዝኾነ ወዲ ተባዕታይ ፍቓድ ከይሓተታ ፓስፖርት ኣውጺአን ክጎዓዛ ክኽእላ’የን።
ስዑዲ ዓረብ ብምርጋጽ መሰል ደቂ ሰብ ሓንቲ ካብ’ተን ኣብ ጸሊም መዝገብ ዝሰፈራ ሃገራት እያ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0