3 ግንቦት ኣህጉራዊ መዓልቲ ናጻ ፕረስ ብደረጃ ዓለም ይዝከር ኣሎ

3 ግንቦት ኣህጉራዊ መዓልቲ ናጻ ፕረስ ብደረጃ ዓለም ይዝከር ኣሎ

Radio Erena: 03 May 2015

pressእዚ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ዝዝከር ዘሎ ኣህጉራዊ መዓልቲ ናጻ ፕረስ፣ ኤርትራ ኣብ እትርከበን ሓያሎ ሃገራት ዓለም፣ ህዝቢ ሓሳቡ ብናጻ ናይ ምግላጽ መሰል ተሓሪሙ ምህላዉ ኣጉሊሑ።

ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት፣ ኣህጉራዊ መዓልቲ ናጻ ፕረስ፣ ቀዳሞት ጸላእቲ ናጻ ፕረስ ተባሂለን ብሕማቕ ኣብነት ካብ ዝተጠቕሳ ሃገራት ኤርትራ፣ ቻይናን ሶርያን ዝርከበአን ሃገራት ክኾና እንከለዋ፣ ጋዜጠኛታት ብምቕታል ብቀዳምነት ዝውገዝ ዘሎ ከኣ ብስም ‘ዳዒሽ’ ዝፍለጥ ሽበራዊ ጉጅለ’ዩ።

 

እቲ ጉጅለ ኣብዚ ዓመት እዚ ጥራይ ኣብ ሶርያን ዒራቕን ወጻእተኛታት ዝርከብዎም ብውሕዱ ሓሙሽተ ጋዜጠኛታት ቀቲሉ ኣሎ።

ኣብዚ ዓመት’ዚ ጋዜጠኛታት ብምእሳር ቀዳማይ ደረጃ ሒዛ ዘላ ቻይና ክትከውን እንከላ ኤርትራን ሶርያን ከኣ ካልኣይቲን ሳልሰይትን ኮይነን ስዒበንኣ ይርከባ።

ኣብ ኤርትራ በብእዋኑ ናይ ዝተኣስሩ ብዝሒ ጋዜጠኛታት ልዕሊ 50 ዝበጽሕ እኳ እንተኾነ፣ ካብ 2013 ክሳብ ጥሪ 2015 ኣብ ዝነበረ እዋን ከኣ፣ ንኣስታት ሽዱሽተ ዓመታት ተኣሲሮም ዝነበሩ ጋዜጠኛታት ሚኒስትሪ ዜናን ሬድዮ ባና ዝርከብዎም ኣስታት 30 ካብኣቶም ከምዝተፈትሑ ይፍለጥ።

እንተኾነ፣ ሕጂ’ውን ኣብ ኤርትራ ካብ 2001 ኣትሒዞም በብእዋኑ ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ኣስታት 20 ዝኾኑ ኣባላት ሚኒስተሪ ዜናን ናይ ብሕቲ ጋዜጠኛታትን ከምዘለዉ ዝፍለጥ’ዩ።

ኣብ ኤርትራ ኣብዚ እዋን’ዚ ዝኾነ ናይ ብሕቲ ጋዜጣ ይኹን ካልእ ማዕከን ዜና ብዘይምህላዉን፣ ንሓያሎ ዓመታት ንዝተቐየዱ ጋዜጠኛታት ከኣ ናብ ፍርዲ ብዘይምቕራቦምን፣ ኤርትራ ነዚ ዝሓለፈ ሸሞንተ ዓመታት ብናጽነት ፕረስ ካብ 180 ሃገራት ኣብ ድሕሪት ተሰሪዓ ትርከብ።

============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0