ንፕረዚደንት ኬንያታ ዝጸዓነት ነፋሪት፣ ብክሊ ኣየር ኤርትራ ክትሓልፍ ካብ ኤርትራ ፍቓድ ረኺባ ምንባራ ተገሊጹ

ንፕረዚደንት ኬንያታ ዝጸዓነት ነፋሪት፣ ብክሊ ኣየር ኤርትራ ክትሓልፍ ካብ ኤርትራ ፍቓድ ረኺባ ምንባራ ተገሊጹ

Radio Erena: 03 May 2015

AmbaSem

ብሃንድበት ክትምለስ ዝተገደደት ንፕረዚደንት ኡሁሪ ኬንያታ ዝጸዓነት ነፋሪት፣ ብክሊ ኣየር ኤርትራ ክትሓልፍ ካብ መንግስቲ ኤርትራ ፍቓድ ረኺባ ምንባራ ኣምባሳደር መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ኬንያ ኣቶ በየነ ርእሶም ምስ መደበር ቴሌቪዥን ኬንያ(KTN) ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ ገሊጹ።

ፕረዚደንት ኬንያ ጽዒና ዝነበረት ነፋሪት፣ ብክሊ ኣየር ኤርትራ ክትሓልፍ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ውሽጢ 20 ደቃይቕ ፍቓድ ከምዝሃበ ዝሓበረ ኣምባሳደር በየነ ርእሶም፣ እንተኾነ እታ ነፋሪት ናብ ክሊ ኣየር ኤርትራ ጠቕሊላ’ውን ከምዘይኣተወት ኣረዲኡ።

እታ ነፋሪት ብክሊ ኣየር ኤርትራ ክትሓልፍ ምዃና መንግስቲ ኤርትራ ከምዝፈለጠ ዘረጋገጸ’ቲ ኣምባሳደር፣ ክሊ ኣየር ኤርትራ ቅድሚ ምብጻሓ ብሃንደበት ዝተመልሰትሉ ምኽንያት ግና ዝኾነ ኣፍልጦ ከምዘይብሉ ሓቢሩ።

እንተኾነ፣ እታ ነፋሪት ክሊ ኣየር ኤርትራ ቅድሚ ምእታዋ ብሃንደበት ክትምለስ ዝተገደደትሉ ምኽንያት፣ ኣብ መንጎ ሰበ ስልጣን ሲቪል ኣቭየሽን ክልትኤን ሃገራትን ፕሮቶኮልን ናይ ሓበሬታ ምልውዋጥ ጸገም ከምዝነበረ ዝሕብሩ’ውን ኣለዉ።

ብ23 ሚያዝያ ምሸት ብወገን ኢትዮጵያ ዝመጸት ናይ መጓዓዝያ ነፋሪት ብዘይፍቓድ ናብ ክሊ ኣየር ኤርትራ ኣብ ዝኣተወትሉ እዋን ክትምለስ ከምዝተነግራ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ካብ ሓይሊ ኣየር ምርግጋጾም’ውን ይዝከር።

ኣምባሳደር በየነ ርእሶም፣ ንፕረዚደንት ኬንያ ዝጸዓነት ነፋሪት ብክሊ ኣየር ኤርትራ ክትሓልፍ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ክፍሊ ፕሮቶኮል ኬንያ ኣብ ውዱእ ሰዓታት ከምዝሓተተ ብምጥቃስ፣ መንግስቲ ኤርትራ ግና ብዘይዝኾነ ጸገመ ኣብ ውሽጢ 20 ደቓይቕ ነቲ ፍቓድ ከምዝሃበ’ዩ ዘመልክት።

ናብ ኣመሪካ ዘምርሕ ዝነበረ ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታ፣ ካብ ናይሮቢ ተበጊሱ ናብ ዱባይ እናምርሐ እንከለኦ’ዩ ብሃንደበት ክምለስ ተገዲዱ።

ኣብ የመን ብሰንኪ ዘሎ ኵነታት ንክሊ ኣየር የመን ዝኾነት ነፋሪት ከይትሓልፎ ተከልኪሉ ብምህላዉ’ዩ፣ እታ ነፋሪት ብክሊ ኣየር ኢትዮጵያን ኤርትራን ብምስንጣቕ ብቀይሕ ባሕሪ ኣቢላ ናብ ዱባይ ከተምርሕ ዝተበገሰት።

====================================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0