261 ስደተኛታት ሃገራት ኣፍሪቃ ካብ ምጥሓል ድሒኖም

ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ኢጣልያ 261 ስደተኛታት ሃገራት ኣፍሪቃ ዝጸዓና ክልተ ጃልባ ካብ ምጥሓል ኣድሒኖም።
    ሊብያ ሄራልድ ዝተባህለ ጋዜጣ ብዘቕረበቶ ጸብጻብ፣ እቶም ኣብ ክልተ ንእሽቱ ጃልቡ ዝነበሩ ስደተኛታት፣ ካብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ድሕሪ ምብጋሶም ሕእደጋ ከጋጥሞ ኣብ ዝጀመረሉ፣ ሒዞማ ብዝነበሩ ናይ ሳትላይት ቴሌፎን ኣብ ኢጣልያ ንዝርከብ ኤርትራዊ ብምድዋል ሓገዝ ከምዝሓተቱን እቲ ኤርትራዊ ናብ ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ኢጣልያ ብዘመሕእላለፎ ቅልጡፍ ሓበሬታ’ዩ ክድሕኑ ክኢሎም።

    ኣብ ኢጣልያ ካብ ዝመደበር ኤጀንሲያ ሓበሻ ኣባ ሙሴ ዘርኣይ፣ ኣቐዲሞም ብዝዘርግሖ ሓበሬታ ኣብ ማእከል ባሕሪ ሓደጋ ካብ ዘጋጠሞም ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ናይ ርዱእና ጻውዒት ከምዝተቐበሉን፣ ብኡ ንብኡ ድማ ንሕእለዋ ገማግም ባሕሪ ኢጣልያ ማልታን ከምዝሓበሩን ገሊጾም’ዮም።
    እቶም ሓንቲ ጃልባ ካብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ብኡ ንብኡ ድሕሪ ምብጋሳ ማይ ክትመልእ ከምዝጀመረትን ግና ሳላ ህጹጽ ሓገዝ ሓይሊ ባሕሪ ኢጣልያ ኣብኣ ዝነበሩ 111 ስደተኛታት ክድሕኑ ከምዝኸኣሉን’ዩ እቲ ናይ ሊብያ ሄራልድ ጸብጻብ ዘመልክት።
    እታ 150 ስደተኛታት ጽዒና ዝነበረት ካልኣይቲ ጃልባ’ውን፣ ካብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ 100 ኪሎሜተር ድሕሪ ምርሓቃ ብማዕበል ክትናወጽ ከምዝጀመረትን ግና ሳላ እቲ ናይ ኢጥእልያ ሓገዝ ከምዝደሓነትን ተሓቢሩ።
ካብቶም ካብቲ ናይ ምጥሓል ሓደጋ ድሒኖም ዘለዉ 261 ስደተኛታት ክልተ ነፍሰጾራት ዝርከብአን 37 ደቂንስትዮ ምንባረን ተፈሊጡ።
    እቶም ዝበዝሑ ኤርትራውያን ክኮኑ ከምዝኽእሉ ተገሚቶም ዘለዉ ስደተኛታት፣ ካብቲ ናይ ባሕሪ ሓደ ድሕሪ ምድሓኖም ኣብ ላምፔዱሳ ናይ ኢጣልያ ብግዝያውነት ተዓቝቦም ኣለዉ።
    እዚ ከምዚሉ እንከሎ፣ ኣብ ሊብያ ኣብ ቤንቓዚ ዝርከቡ ሓያሎ ኤርትራውያን ብሊብያውን ብዙሕ ግፍዕታት ይወርዶም ምህላዉን ኤርትራውያን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ይኩን ካልኦት ግዱሳት ዘዝኽእልዎ ሓገዝ ክገብርሎም ናብ ሬድዮ ኤረና ብምድዋል ተማሕጺኖም።

COMMENTS

WORDPRESS: 0