24 ግንቦት፣ ለውጢ ብዝጠልብ ሓያል ምንቅስቓስ ትጽንበል ኣላ

Radio Erena: 23 May 2019

መበል 28 ዓመት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ፣ ምንጋስ ፍትሒን ደሞክራስያዊ ለውጥን ብዝጠልብ ሓያል ምንቅስቓስ ትጽንበል ኣላ።

ኣብ ወጻኢ ሃገራት ብዝርከቡ ኤርትራውያን ዝተበጋገሰ ናይ “ይኣክል” ምንቅስቃስ፣ ኣብ ውሽጢ ሃገር ሓያል ጽልዋ ፈጡሩ፣ ህዝቢ ብዝተፈላለየ መንገዲታት ይኣክል ንምልኪ ኣብ ምባል ይርከብ።

ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኤርትራ፣ መዓርፎ ኣውቶቡሳን፣ ዕዳጋታት ኣብያተ ትምህርትን፣ “ይኣክል” እብ መናድቅ ተሓንጢጡን ብወረቓቕቲ ተዘርጊሑን ይርአ ከምዘሎ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና የመልክት።

ኣብ ከረንን ተሰነይን፣ ኣብ ፈቐድኡ ዝርአ ዘሎ ናይ “ይኣክል” ጽሑፋት ንምቁጽጻር፣ ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ምስ ምምሕዳራት ናይቲ ዞባ ብሓባር ይሰርሑ ምህላዎም እቶም ምንጭታት የመልክቱ።

ኣብ ተሰነይ፣ ኣብ መናድቑ ጽሑፍ ዝተረኽቦ ወናኒ ቤት ክሳብ 5 ሽሕ ናቕፋ ክቅጻዕ ምዃኑ ክውሰን እንከሎ፣ ኣብ ከረን ድማ ጽኑዕ ምቁጽጻር ይካየደሉ ኣሎ።

ኣብዚ ናይ 24 ግንቦት ቅንያት ናጽነት፣ ኣስመራ ኣብ ጽዑቕ ሓለዋ ከምዘላ ኣቐዲሙ ዝተሓበረ ኮይኑ፣ ናብዛ ከተማ ዘእቱን ዘውጽእን ኣርባዕተ መስመራት፣ ብኬላታት ይሕሎ ምህላዉ ተፈሊጡ።

እዚ ብደረጃ ሃገር ዝካየድ ዘሎ ምንቅስቓስ “ይኣክል” ኣብዚ 28 ዓመታት ክፍጸም ንዝጸንሐ ዘይሕጋውን ዘይፍትሓውን ምእሳር ዜጋታት ከብቅዕ፣ ኩሎም ናይ ፖለቲካው እሱራት ክፍትሑን ብሓደ ሰብ ተገቢቱ ዘሎ ስልጣን ናብ ህዝቢ ክምለስን ዝጽውዕ’ዩ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar

    እዞም ሕጂ ሓዲስኩም ይኣክል ትብሉ ዘለኩም ገና ኣብ ኮበርታኹም ከለኩም ኢሰያስ ገገዛኹም መጺ ዝወስደኩም እንዳመሰለኩም ከሎ ቅድሚ ዓመት ኣብ ፊት ኤምባሲ ኤርትራ ብዙሕ ሰብ ሰልፊ ወጽዩ ይኣክል ተባሂሉ እዩ።ብይኣክል ዝመጸ ፍታት የለን ኣይክህሉን ድማ ዩ።
    ንዓለም ከምዘላታን ብዘላታን እንተዘይገጢምናያ ፍትሕ ኣይርከቦን።ነዚኣ ዘለለየ ድማ ማሕበር ኣሕዋት ኣግኣዝያን ጥራይ እዩ።
    ብይኣክል ፍታሕ ክመጽእ ይክእልዩ ኢሉ ዝኣምን እንተሎ ምኽንያት ሒዙ ክካታዕ ይክእልዩ።