ኬንያ፣ ሚኒስተር ዝርከቦም ሰበ ስልጣን ሶማልያ ሰጕጓ

Radio Erena: 24 May 2019

ኬንያ፣ ሓደ ሚኒስተርን ክልተ ኣባላት ባይቶን ሶማል ከምዝሰጎገት መንግስቲ ሶማል ኣፍሊጡ።

ብመሰረት መግለጺ መንግስቲ ሶማል፣ እቶም ሰለስተ ሰበ ስልጣን፣ ብሰኑይ 20 ግንቦት፣ ኣብ ናይሮቢ፣ መዓርፎ ነፈርቲ ጆሞ ኬንያታ ድሕሪ ምብጽሖም፣ ብሓለዋ ናይቲ መዓርፎ ነፈርቲ ንሓያሎ ሰዓታት ተታሒዞም ድሕሪ ምጽናሕ፣ ንጽባሒቱ’ዮም ናብ ሃገሮም ተሰጕጎም።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሶማል፣ ወግዕዊ ናይ ተቓውሞ ደብዳቤ ናብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኬንያ ልኢኹ ኣሎ።

ብወገን ኬንያ ግና ዝተዋህበ መልሲ የለን።

ኬንያ ኣቐዲማ፣ ካብ ሶማል ከተማ ሞቛድሾ ዝካየድ ቀጥታዊ ናይ መጓዓዝያ በረራታት ደው ከተብሎ ምውሳና ይዝከር።

መንግስቲ ኬንያ፣ እቲ ውሳኔ ናይ ጸጥታ ጉዳይ ምዃኑ እኳ እንተገለጸ፣ መንግስቲ ሶማል ግና ፖለቲካዊ ምኽንያት ዘለዎን ንዝምድና ክልቲኤን ሃገራት ብኣሉታ ዝጸሉን’ዩ ክብል መሊሱ።

ኬንያን ሶማልን፣ ብዘይካ’ቲ ዘሰሓሕብን ዘሎ ዋንነት ክሊ ማይ፣ ብጉዳይ’ቶም ኣብ ኬንያ ዝርከቡ ሶማላውያን ስደተኛታትን’ውን ክስሓሓባ ጸኒሐን’የን።

መንግስቲ ሶማል ንሽበራውያን ጉጅለታት ክቆጻጸር ኣይከኣለን እናበለት እትወቅስ ኬንያ፣ ነቲ ኣማኢት ኣሽሓት ስደተኛታት ሶማል ኣዕቝቡ ዝርከብ መዓስከር ዳዳብ ክትዓጽዎ ምዃና ብተደጋጋሚ’ያ ተጠንቅቕ።

ኣልሸባብ ኣብ ኬንያ ብዘካይዶ ዘሎ ተደጋጋሚ መጥቃዕታት፣ ካብ በጻሕቲ ሃገራት ንእትረኽቦ ኣታዊታት ብኣሉታ ይጸሉ ከምዘሎ ጸብጻባት እታ ሃገር የመልክቱ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0