ኤርትራውያን ዝርከብዎም 200 ስደተኛታት፣ ናብ ጀርመን ክግዕዙ’ዮም

ኣብ ቱኒዝያ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ዝነበሩ ኤርትራውያን ዝርከብዎም 200 ስደተኛታት፣ ሓድሽ ህይወት ንምጅማር ናብ ጀርመን ክግዕዙ ምዃኖም ኣገልግሎት ዜና ሺንሁዋ ሓቢሩ።
ጀርመን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት 300 ስደተኛታት ንምጥያስ ዝጀመረቶ ተበግሶ ብምቕጻል እያ ነዞም 20 ስደተኛታት ትቕበል ዘላ። እቶም ነዚ ዕድል ዝረኸቡ ስደተኛታት ዜጋታት ኤርትራ፣ ሱዳንን ሶማልያን ክኾኑ እንከለዉ፣ ን18 ኣዋርሕ ኣብ ትጽቢት ዝጸንሑ ምዃኖም ተፈሊጡ።
ተጸዋዒ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ ነዞም ኣብ ጀርመን ዝጣየሱ ስደተኛታት ምስቲ ዝቕበሎም ሕብረተሰብ ክወሃሃዱ ዝሕግዝ መደብ ሰሪዑ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።
መንግስቲ ጀርመን ብተወሳኺ፣ እቶም ስደተኛታት ካብ ትምህርቲ ቋንቋ ጀሚሩ ካልእ ንመነባብሮ ዝሕግዞም መሰረታዊ ቀረብ ከዳልወሎም ምዃኑ ገሊጹ።
ህዝባዊ ናዕቢ ሊብያ ምስተወለዐ ካብቲ ሕንፍሽፍሽ ንምምላጥ ኣብ ቱኒዝያ መዓስከር ሺሻ ልዕሊ 7 ሽሕ ስደተኛታት ተዓቚቦም ከምዝነበሩ፣ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፣ ካናዳን ኣውስትራልያን 2 ሽሕ ካብኦም ከምዝወሰዳን ይፍለጥ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0