17 ኣመንቲ ክርስትና ብኣባላት ጸጥታ ተታሒዞም

ኣብ ከረን ኣብ ናይ ገዛ ጸሎት ዝነበሩ 17 ኣመንቲ ክርስትና ብኣባላት ጸጥታ መንግስቲ ተታሒዞም ኣብ ኣደርሰር ኣብ ዝርከብ ወትሃደራዊ መዓስከር ከምዝተኣስሩ ኦፐን ዶርስ ዝተባህለ ትካል ኣብ ኤርትራ ንዝርከቡ ምንጭታቱ ብምጥቃስ ሓቢሩ።
እቶም ግዳያት ሸውዓተ ደቂንስትዮን 10 ደቂተባዕትዮን፣ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ኮይኖም፣ ብ5 ነሓሰ’ዮም ኣብ ከረን ንጸሎት ተኣኪቦም ኣብ ዝነበርሉ ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ።
ናይ ዝተፈላለየ እምነታት ኣብያተ ክርስትያናት ካብ 2002 ንደሓር ድሕሪ ምዕጻወን፣ ኣመንተን ኣብ ውልቂ ገዛውቲ ንጸሎት ከምዝእከቡ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ መንግስቲ ኣባላት ጸጥታን ስለያን ብምውፋር እናሃደነ ከምዝኣስሮም ጸብጻባት የመልክቱ።
መንግስቲ ኤርትራ በብዝተፈላለየ ክሲ በብእዋኑ ኣብ ቀይዲ ዘእተዎም ኣማኢት ኣመንቲ ክርስትናን ምስልምናን እኳ እንተለዉ፣ ጉዳዮም ዝኾነ ሕጋዊ መስርሕ ከይተኸተለ ብዓይኒ ጸጥታን ውትህድርናን እናተራእየ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ጽንኩር ኣብያተ ማእሰርቲ ከምዝሳቐዮም 10ታት’ውን ብሰንኩ ከምዝሞቱን ይጥቀስ።
መንግስቲ ኤርትራ፣ መሰል ውልቃዊ እምነት ዜጋታት ዘየኽበር ተባሂሉ ኣብ ቅድሚት ካብ ዝጥቐሱ ስርዓታት ዓለም ሓደ’ዩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0