20 ሰነ መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ ኣብ መላእ ዓለም ብዝርከቡ ኤርትራውያን ተዘኪራ

Radio Erena: 21 June 2020

20 ሰነ መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ ኣብ መላእ ዓለም ብዝርከቡ ኤርትራውያን ተዘኪራ።

ኤርትራውያን ውድባት፣ ምንቅስቓሳትን ተጣበቕቲ መሰላትን ናብ ራድዮ ኤረና ኣብ ዝሰደድዎ መልእኽቲ፣ ሰማእታት ኤርትራ ኣብ ዓመት ሓንቲ መዓልቲ ዘይኮነ፣ ዝገደፉዎ ሓደራ ክሳብ ዝትግበር መዓልታዊ መብጽዓና ነሐድሰሉ እዋን ምዃኑ ኣዘኻኺሮም።

ራእይ ሰማእታት፣ ብውሑዳት ስልጣን ዝሓዙ ተጨውዩ ከምዘሎ ዝገለጹ ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ፣ እዚ ራእይ’ዚ ክዉን ንክኸውን ቃልሶም ከሐይሉ ምዃኖም ቃል ኣትዮም።

20 ሰነ፣ ተኸታታሊ መግዛእታት ንምእላይ ኣብ ዝተኻየደ ብረታዊ ቃልሲ ዝወደቑ ሰማእታት ጥራይ ዘይኮነ፣ ገድሊ ቅድሚ ምጅማሩን፣ ድሕሪ ናጽነትን ዝተወፈዩ ጀጋኑ እንዝክረላ፣ ከምኡ’ውን ኣብ ዝተፈላለየ ጎዳጉዲን መሓዩርን ተኣሲሮም ዕድሚኦም ዝኸፍሉ ዘለዉ እንዝክረላ ዕለት’ውን ምዃና ብዝተፈላለዩ ወገናት መዘኻኸሪ ቀሪቡ።

ኣብ በበይኑ ሃገራት ዓለም ምጥርናፋት ፈጢሩ ዘሎ ባይቶታት ይኣክል ብወገኑ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፣ ህዝቢ ኤርትራ ሕድሪ ሰማእታት ንምትግባር፣ ኤርትራ ደሞክራስያዊትን ብስርዓተ ሕጊ እትመሓደርን ምግባራ መሰረታዊ ምዃኑ ብምእማን፣ ካብ ኩሉ እዋን ንላዕሊ ሕጂ ‘ይኣክል’ ኢሉ ጥርናፈኡ ከሐይል ከምዝግባእ ኣዘኻኺሩ።

ኤርትራ ብመስዋእቲ ደቃ ሓርነታ ደኣ ተረጋግጽ እምበር፣ ህዝባ ካብ እዋን መግዛእቲ ንላዕሊ ብስደትን ሕሱም መነባብሮን ይግረፍ ኣሎ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0