20 ሰነ መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ ትዝከር ኣላ

Radio Erena: 20 June 2022

20 ሰነ መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ወጻኢን ብዝርከቡ ኤርትራውያን ትዝከር ኣላ።

እዛ ህዝቢ ኤርትራ ምእንቲ ናጽነት ሃገሩ ዝኸፈሎም ውሉዳቱ ዓመት መጸ ዝዝክረላ ዕለት፣ ገና ኣብ ግብሪ ዘይውዓለ ሕድሮም ንምትግባር እውን መብጽዓኡ ዘሐድሰላ ዕለት ‘ያ።

ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ኤርትራውያን፣ ኣብ ደምበታታ ተኸፋፊሎም፣ ብዝተፈላለየ ስምዒታትን ዝዝክሩዋ ዘለዉ ነዛ ዕለት፣ ዓመት መጸ ዝኽርን መብጻዓ ብምእታውን ጥራይ ዘይኮነ፣ ብግብራዊ ስራሕ ክሳነ ከምዘለዎ የዘኻኽሩ።

ሕድሪ ሰማእታት ኤርትራ ገና ኣይተተግበረን ዝብሉ ዜጋታት ብወገኖም፣ እዚ ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት፣ ንሰማእታት ደቂ ህዝቢ ክጽውዕን ዝኽሪ ክገብርን፣ ሞራላዊ ብቕዓት ከምዘይብሉ፣ ንኩሉ ሕድሪታቶም ረጊጹ ሃገር ናብ ፍጹም ምብዳም ኣአንፊቱዋ ከምዘሎ ይገልጹ።

ህዝቢ ኤርትራ፣ ናጽነት ሃገሩ ንምርግጋጽ፣ ኣንጻር ባዕዳውያን መግዛእታትን ተኸታተልቲ ስርዓታት ኢትዮጵያን ገጢሙ፣ ብሉጻት ደቁ ከፊሉ እኳ እንተኾነ፣ ብዘተን ልዝብን ክዓርፍ ዝግብኦ ዶባዊ ግጭት ተላዒሉ ዳግማይ ናይ 10ታት ኣሽሓት ተወሳኺ መስዋእቲ ክኸፍት ተገዲዱ’ዩ።

ኣብ ርእሲ’ዚ’ውን ካብ ሕዳር 2020 ኣትሒዙ ኣብ ኢትዮጵያ፣ ክልል ትግራይ ኣብ ዝተልዐ ኵናት፣ ህዝቢ ኤርትራ ዛጊት ብወግዒ ቁጽሮም ዘይተነግሮ ደቁ ንተወሳኺ ሞትን ስንክልናን ተቓሊዑም ኣለዉ።

ብሰንኪ መንግስቲ ኤርትራ ዝኽተሎ ዘሎ ሕሱም ኣካዪዳ፣ ኣብ ሃገሩ ምንባር ዝሰኣነ ህዝቢ’ውን ኣብ ጉዕዞ ስደቱ ዝሓልፎ ዘሎ መስገደል ሞትን ስቓይን ንምሕጻርን ሕድሪ ሰማእታት ንምትግባርን፣ ብቅዋም እትምራሕን ዜጋታት ብሓርነት ዝነብሩላን ሃገር ንምውሓስ፣ ኩሉ ብሓባር ክሰርሕ ደለይቲ ፍትሕን ደሞክራስን የተሓሳስቡ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0