‘ቤት ፍርዲ ሰ.መሰላት ኤውሮጳ፣ ስደተኛታት ናብ ሩዋንዳ ከይንሰድድ ምኽልካሉ፣ ፖለቲካዊ ድፍኢት ኣለዎ’ መ.ብሪጣንያ

Radio Erena: 19 June 2022

ቤት ፍርዲ ሰብኣዊ መሰላት ኤውሮጳ፣ ብሪጣንያ ስደተኛታት ናብ ሩዋንዳ ከይትሰድድ ደው ዘበለሉ መስርሕ፣ ሕቶታት ዘለዓዕል እዩ ክብል መንግስቲ ብሪጣንያ መግለጺ ኣውጺኡ።

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ፕሪቲ ፓተል ብቀዳም 18 ሰነ ኣብ ዝሃበቶ ቃለመጠይቕ፣ ቤት ፍርዲ ኤውሮጳ ነቲ ምስግጋር ስደተኛታት ደው ዘበለሉ ምኽኒያት ብጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ዘይኮነ፣ ካልእ ፖለቲካዊ ድፍኢት ኣለዎ ኢላ።

ጉጅለ ጠበቓታት ብሪጣንያ፣ መንግስቲ’ታ ሃገር መሰል ስደተኛታት ክሕሉ ንምቕሳብ ምስ ኣህጉራውያን ተጣበቕቲ መሰላት ብሓባር ኣብ ዝሰርሑሉ ዘለዉ እዋን፣ ቀዳማይ ሚኒስተር’ታ ሃገር ቦሪስ ጆንሰን፣ መሰል ዑቕባ ስደተኛታት ክሳለጥ ቀንዲ ተሓባበርቲ ዝኾኑ ዘለዉ እቶም ጠበቓታት እዮም ምባሉ ካብ ሓያሎ ወገናት ነቐፌታ ክወርዶ ጸኒሑ’ዩ።

ፕሪቲ ፓተል ምስ ደይሊ ተለግራፍ ኣብ ዘካየደቶ ቃለመጠይቕ፣ ቤት ፍርዲ ሰብኣዊ መሰላት፣ እታ ስደተኛታት ጽዒና ናብ ኪጋሊ ዝተበገሰት ነፋሪት ደው ንኽትብል ዝወሰዶ ውሳኔ፣ ቅድሚ ሕጂ ተተግቢሩ ዘይፈልጥ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፣ ከምዚ ዓይነት ውሳኔ ንምውሳድ ዝደረኾ ምኽንኒያት ብንጹር ኣይገለጸን ክትብል እያ መረረኣ ትገልጽ።

ብሪጣንያ ናብ ግዝኣታ ዝኣተዉ ስደተኛታት ናብ ሩዋንዳ ክትሰድድ ዝኣተወቶ ስምምዕ ኣብ መላዕ ዓለም ኣብ ዝርከብ ንጥብቅና መሰል ደቅሰብ ኣብ ዝቖመ ኣካል ሓያል ቁጠዐ ፈጢሩ ምጽንሑ ዝፍለጥ እዩ።

ብሪጣንያ፣ ‘ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ይሕግዝ’ዩ’ ዝንበለቶ ስጉምቲ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ኣብ ቀዳማይ ዙርያ ናብ ሩዋንዳ ከተሰጋግሮም ዘፍለጠቶም ብዝሒ ሓተትቲ ዑቕባ፣ ተጣበቕቲ መሰላት ብዘቕረብዎ ናይ ይግባይን ካልእ ሕጋዊ መስርሕን፣ እቲ ቁጽሪ ናብ 10 እዩ ወሪዱ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0