100 ነጋዶን ኣውፈርትን ዝሓቖፈ ብሚኒስተር ቁጠባ ዝምራሕ ልኡኽ ቱርኪ ኣብ ኢትዮጵያ ምብጻሕ ይፍጽም

Radio Erena: 29 December 2016

Turkey

100 ነጋዶን ኣውፈርትን ዝሓቖፈ ብሚኒስተር ቁጠባ ኒሃት ዘይበክሺ ዝምራሕ ልኡኽ ቱርኪ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ሓደ መዓልቲ ምብጻሕ ከምዝፈጸመ ኣገልግሎት ዜና ቱርኪ – ኣናዶሉ ገሊጹ።

እቲ ብላዕለዋይ ወኪል መንግስቲ ዝምራሕ ምብጻሕ ቱርካውያን ናብ ኢትዮጵያ፣ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ንዘሎ ናይ ወፍርን ንግድን መደባት ብዝያዳ ንምስፍሑ ዝዓለመ’ዩ።

ሚኒስተር ቁጠባ ቱርኪ ኒሃት ዘይበክሺ፣ ኣብዚ ብሮቡዕ 28 ታሕሳስ ዘካየዶ ናይ ኢትዮጵያ ዑደት፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ ምስ ዝርከቦም ሓያሎ ሰበ ስልጣን ብምርኻብ፣ ንግዳዊ ልውውጥ እዘን ክልተ ሃገራት ብዛዕባ ዝዓብየሉ ተኽእሎታት ዘትዩ።

ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ቱርኪን ዘሎ ንግዳዊ ልውውጥ ዓመታዊ ኣስታት 420 ሚልዮን ዶላር ክበጽሕ እንከሎ፣ እቲ 380 ሚልዮን ዶላር፣ ቱርኪ ናብ ኢትዮጵያ ካብ እትልኮ ሰደድ ዝርከብ’ዩ።

=========================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0