ኤርትራ፣ ሓንቲ ካብተን ኣብ ትሑት ደረጃ ምዕባለን ድኽነትን ዝርከባ 3 ሃገራት ምዃና ሕ/ሃ ኣፍሊጡ

Radio Erena: 29 December 2016

LCD

ኤርትራ እትርከበን 48 ሃገራት ዓለም ኣብ ትሑት ደረጃ ምዕባለን ድኽነትን ከምዝርከባ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝዘርግሖ ሓድሽ ጸብጻብ ኣፍሊጡ።

ኣብ ንግድን ምዕባለን ዘተኩር ኣካል ሕቡራት ሃገራት ዓመተ 2016 ኣብ እትዛዘመሉ ዘላ ወርሒ ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ፣ ከም ኤርትራ ዝኣመሰላ ድኻታት ሃገራት፣ ድኽነተን እናበኣሰን ደረጃ ምዕባልአን ድማ ንድሕሪት እናተጎተን ይኸይድ ምህላዉ ብምትሕስሳብ፣ 16 ካብተን ኣብ ትሑት ደረጃ ምዕባለን ድኽነትን ዝርከባ 48 ሃገራት ግና ኣብ ዝመጽእ 10 ዓመት ዝሓሸ ለውጢ ከምጽእ ተስፋ ከምዘለወን የመልክት።

ሕቡራት ሃገራት፣ ናይ 188 ሃገራት መጽናዕቲ ብምክያድ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ ኤርትራ ብደረጃ ምዕባለን ድኽነትን ሓንቲ ካብተን ሰለስተ ኣብ ድሕሪት ተሰሪዐን ዘለዋ ሃገራት’ያ።

 

ዝተሓተ ደረጃ ምዕባለን ድኽነትን ዘለዋ ሃገር ተባሂላ ኣብ መበል 188 ተሰሪዓ ዘላ ኒጀር ክትከውን ክትከውን እንከላ፣ ኣብ መበል 187 ማእከላይ ሪፖብሊክ ኣፍሪቃ፣ ኣብ መበል 186 ከኣ ኤርትራ ይርከባ።

ማእከላይ ገምጋም ዓመታዊ ውልቃዊ እቶት ዜጋታት፣ ውህሉል ሃብቲ ዜጋታትን ኣብ ቁጠባ እታ ሃገር ዘለዎም ጽልዋን፣ ገለ ካብቲ ሕቡራት ሃገራት ንደረጃ ምዕባለን ድኽነትን ሃገራት መምዘኒ ዝተጠቕመሉ ነጥብታት’ዩ።

ኣብ ኤርትራ፣ ማእከላይ ገምጋም ዓመታዊ እቶት ዜጋታት 390 ዶላር ክግምገም እንከሎ፣ እዚ ድማ ብገምጋም ሓደ ኣብ ስራሕ ዓለም ዝተዋፈረ ዜጋ 32.5 ዶላር ወርሓዊ ደሞዝ ኣለዎ ማለት’ዩ።

ኣብ ትሑት ደረጃ ምዕባለን ድኽነትን ካብ ዝርከባ 48 ሃገራት ዓለም እተን ዝበዝሓ ሃገራት ኣፍሪቃ’የን።

ሓሙሽተ ጎረባብቲ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብዚ ዝርዝር ዝርከባ ኮይነን፣ ኤርትራ፣ ካብ 1994፣ ኢትዮጵያ ካብ 1991፣ ጅቡቲ ካብ 1982፣ ሱዳን ካብ 1971፣ ሶማልያ’ውን ብተመሳሳሊ ካብ 1971 ዓመተ ምሕረት ኣትሒዘን፣ ካብ ዝተሓተ ደረጃ ምዕባለን ድኽነትን ተኣልየን ኣይፈልጣን።

==================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0