10 ታሕሳስ ኣህጉራዊ መዓልቲ ሰብኣዊ መሰላት ተዘኪራ

10 ታሕሳስ ኣህጉራዊ መዓልቲ ሰብኣዊ መሰላት ተዘኪራ

Radio Erena: 11 December 2015

Human right

10ታሕሳስ ኣህጉራዊ መዓልቲ ሰብኣዊ መሰላት ብደረጃ ዓለም ተዘኪራ ውዒላ።

እታ ዕለት፣ ካብቲ ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ኣብ 1948 ንኣዋጅ መሰል ደቂ ሰብ ዘጽደቐሉ እትሒዛ ን66 ዓመታት ብተኸታተሊ ክትዝከር ጸኒሓ’ያ።

መበል 67 ዓመት ኣህጉራዊ መዓልቲ ሰብኣዊ መሰላት፣ ነቲ ኣብ ከም በዓል ኤርትራ፣ ሰሜን ኮርያ፣ ቻይና፣ ስዑዲ ዓረብን ካልኦት ሃገራትን ዝፍጸም ዘሎ ዘሎ ምግሃስ መሰል ደቂ ሰብ ብምትሕስሳብ’ያ ብዝተፈላለዩ ትካላት ተጣበቒ ሰብኣዊ መሰላትን ግዱሳት መሰል ደቂ ሰብን ተዘኪራ ውዒላ።

 

መንግስቲ ኤርትራ ሓደ ካብቶም ብምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ቅድሚት ዝስርዑ መንግስታት ዓለም’ዩ።

ኣብ ኤርትራ ብፖለቲካ፣ ሃይማኖት፣ ስግረ ዶብን ካልእ ምኽንያታትን በብእዋኑ ዝተቀየዱ ኣሽሓት ዜጋታት ከምዘለዉን እቶም ዝበዝሑ ከኣ ሕጋዊ መስርሕን ቤት ፍርድን ከይቀረቡ ንልዕሊ 10 ዓመታት ኣብ ቀይዲ ከምዝርከቡ ይፍለጥ።

ንኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ከተጽንዕን ክትምርምርን ብሕቡራት ሃገራት ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ዝቖመት መርማሪት ኮሚሽን ኣብዚ መፋርቕ እዚ ዓመት እዚ ኣብ ዘቕረበቶ ጸብጻብ፣ ኣብ ኤርትራ ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ከምዘሎ ምርግጋጻ ኣይርሳዕን።

እታ ኮሚሽን፣ ፕረዚደንት ኤርትራ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝርከቦም ሰበ ስልጣን እታ ሃገር ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ይፍጽሙ ምህላዎም ንምርግጋጽ’ውን ዕማማ ንሓደ ዓመት ተናሂሑ፣ ሓበሬታ ኣብ ምእካብ ትሰርሕ ምህላዋ ይፍለጥ።

==================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0