ታዕሊም ብሳሆ፣ ካብ ብራስለስ ክሳብ ሳዋ

ታዕሊም ብሳሆ፣ ካብ ብራስለስ ክሳብ ሳዋ

Radio Erena: 10 December 2015

Sawa 1

     ቤልጁም ካብ 2010 ኣትሒዙ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ዝኣክል መንግስቲ ኣይነበራን። መንግስቲ ዘይብላ ሃገር ከመይ ክትቕጽል ከምእትኽእል ክርድኣኒ ኣይከኣለን። መንግስቲ ዘይብለን ሃገራት ኣፍሪቃ’ሞ ሕሰቡ? ኣነ’ውን ከምኡ’የ ሓሲበ። መንግስቲ ሃልዩወን’ኳ ንጋዶ። ብዘይመንግስቲ ሃገር ከመይ ደው ክትብል ትኽእል? ነታ ብዘይመንግስቲ ኣላ ዝተባህለት ቤልጁም ብዓይነይ ክዕዘባ፣ ታሪኽ ዝሰነዱ ኮይኑ ግዲ ተሰሚዑኒ ከኣ’የ ኣውቶቡስ ተሰቒለ ናብ ብራስለስ ኣምሪሐ። 

     ብራስለስ ብዘይካ’ዚ መዲና ሕብረት ኤውሮጳ ምዃና፣ ኣብታ ከተማ እናሸነ ሚልዮናት ህዝቢ ዘዛኒ ሓወልቲ ንምርኣይ’ውን ብዙሕ ኣሃንጢንዩ’ዩ። ግደ ሓቂ፣ ቅድሚ 396 ዓመት ዝተሃንጸ ሓወልቲ ካብ ትርኢቱ ስሙ’ዩ ዝዓቢ። ካብ ነብሶም ስሞም ዝዓቢ ሰባት ኣለዉ እንዶ ሓቀይ? ከምኡ ማለት’ዩ። እዚ ክንዲ ዓባይ ጀበና ዝኸውን ሓወልቲ፣ ነቶም ክርእይዎ ዝመጹ ሚልዮናት በጻሕቲ እናሻነ የዛንዮም። ከምዝተሃንጠኽዎ ከዘንየኒ እኳ እንተዘይክኣለ፣ ምርኣየይ ግና ኣየጠዓሰንን። ስሙ ካብ ነብሱ ዝዓቢ-ማነከን ፒስ። 

      ቤልጁም ሰላም ጸኒሓትኒ። ናብታ ሃገር ንምእታው ዝኽልክል ኬላ ይኹን ኣብ ከተማታታ መንቀሳቀሲ ዝሓትት የብላን። ምስ ሶማል’የ ከዛምዳ ሃቂነ። ጌጋ ሃቀና። ብራስለስን ሞቛድሾን እንታይ ዘራኽብ ኣለወን። ዋላ’ኳ ኣብታ ግዜ’ቲኣ ክልቲኤን ዝርግአ መንግስቲ እንተዘይነበረን። ሶማል ስለምንታይ መንግስቲ ዘይብላ፣ ሎሚ ኩሉ ህዝቢ ዓለም ዝፈልጦ’ዩ። ቤልጁም ንልዕሊ ሓደ ዓመት ስለምንታይ መንግስቲ ዘይነበራ ግና ምስዚ ኣልዒለዮ ዘለኹ ነጥቢ ስለዝተዛመደለይ ክተናኽፎ መሪጸ። 

     ፈረንሳ፣ ቋንቋኣ ኣብ ኤውሮጳ ቀዳማይ ተዘራቢ ክኸውን’ያ እትደሊ። በዚ ኸኣ ኣብ ቤልጁምን ስዊዘርላንድን ቀሊል ዘይኮነ ጽልዋ ኣለዋ። ወግዓዊ ቋንቋ ንግስነት ቤልጁም ፈረንሳ፣ ጀርመንን ዳችን’ዩ። ውሑድ ህዝቢ’ውን ፍለሚሽ ዝተባህለ ቋንቋ ይዛረብ። ብሰንኪ ተዛረብቲ ቋንቋታት ፈረንሳ፣ ጀርመንን ዳችን ዝኾኑ ፖለቲከኛታት እታ ሃገር መንግስቲ ንምቋም ምርድዳእ ተሳእነ። ከምዚ’ሉ’ውን ንልዕሊ ሓደ ዓመት ቀጸለ። መንግስቲ ዘይምንባሩ ግን ንመዓልታዊ ህወይት እቲ ህዝቢ ኣይጸለወን። ኣብቲ ዝማዕበለ ዓለም ብዘይመንግስቲ ንዝነውሕ ግዜ ዝጸንሐት ሃገር ድማ’ያ ቤልጁም። 

     ኤርትራ ብዘይ መንግስቲ ንኽንደይ ዝኣክል ግዜ ምጸንሐት? ንምዃኑ መንግስቲ ኸ ኣለዋ ድዩ? ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ብግዜያዊ መንግስቲ ዶ ኣይኮነትን እትመሓደር ዘላ…ንምዃኑ መንግስቲ ኸ እንታይ ማለት’ዩ? ዝብሉ ሕቶታት ተኻቲዕና ዘይጸገብናሎም’ዮም። 

     ብዝኾነ ጉዳይ ቋንቋ ኣብተን ዝማዕበላ ሃገራት’ውን ቀሊል ብድሆ ዘይምዃኑ ቤልጁም ኣብነት ኮይናትና ኣላ። ካብ መዲና ብራስለስ ናብ መዲና ሳዋ እንተወረድና ኸ? ቋንቋ ከመይ ይጸንሓና።

 

                                  +++++++++++++++++++++

 

Man

     ኣብ ሓሙሻይ ዙርያ፣ ካልኣይ ክፍለ ሰራዊት፣ ካልኣይ ብርጌድ፣ ካልኣይ ቦጦሎኒ፣ ሳልሳይ ሓይሊ፣ ካልኣይ ጋንታ ዝነበረ ዓላማይ’ዩ። ብርጌዳትን ቦጦሎኒታትን ምስ ግዜ ምንዋሕ ሓዋዊሰዮ እንተኾይነ ይቕሬታ ግበሩለይ። ዓላማይ ሸሪፉ ዝብልዎ ፍሉጥ ወደ’ባሻውል ስለዝነበረ፣ እቶም እትዝክርዎ፣ ነዚ ናይ ኣሃዱ መስርዕ ኣስተኻኺልኩም ከተንብብዎ ሓደራኹም። ሸሪፎ፣ ኣብ ዝነበርኩዋ ጋንታ ክዕልም ሓላፍነት ተዋሂቡ። እታ ጋንታ 52 መንእሰያት (ሓደ እኳ ኣቦይ እንብሎ ሽማግለ’ዩ ዝነበረ) ተዓላሞ ሓቑፋ።  ብስራት ኪዳነን ዮሃንስ ተወልደን ምስ ዝተባህሉ መዛኖይ ብዙሕ ዓመታት ከምዝፋለጡ የዕሩኽ መሰልና። ብዕድመን ቋንቋን መዛኑ ስለዝነበርና’ዩ መስለኒ። ቋንቋ መቀራረቢ’ዩ። ተመስገን ዝተባህለ ምሩቕ ዩኒቨርሲቲ፣ ኣብ ኣፍደገ ናይታ ዘጽለለትና ዓጌፋ ካልኣይ ጋንታ ተጋዲሙ መጽሓፍ ምንባብ የዘውትር ነበረ። ‘እቲ ሊቕ’ እናበልና እነድንቖ’ዩ። ኣብዚ እዋን’ዚ ሓደ ካብ ኣመሓደርቲ ወንጌላዊት ቤተክርስትያን ምዃኑ ሰሚዐ ኣለኹ። ካብ ኣስመራ ዝመጻእና መብዛሕትና ናይ 11 ክፍሊ ትምህርቲ ዛዚምና  ናብ ሳዋ ዝወረድና ኢና። ካብ ሓያሎ ከባቢታት ዝመጹ ተዓላሞ ግና መብዛሕቶም ግፉፋት’ዮም። ዳዊት ዝተባህለ  ወዲጻሓፍላም ነጋዳይ፣ ንብረቱ ከይኣከበ ተኾብኪቡ ከምዝመጸ’ዩ ዘማርር።  

     “ናይ እግሪ ስንክልና ኣለኒ፣”  ሰፍለል’ዩ ዘብዝሕ። 

     ስንክልንኡ ወዳን ጓላን ከተፍልጥ፣ ዓላሞ ብዘውረድሉ ስላዕ ክብረ ወሰን ዝሰበረ ታዓላማይ ነበረ። ጽቡቕ ነገሩ ሃራማይን ተሃራማይን ብቋንቋ ትግርኛ ግርም’ዮም ዝረዳድኡ።  

     ካብ ሓደ ኩርንዓ ኤርትራ፣ ምናልባት ከባቢ ሞጎራይብ፣ ዝተገፈ እድሪስ ዓበ ዝተባህለ ጓሳ’ውን ኣባል ካልኣይ ጋንታ’ዩ።  ግዝፉ ካብ ንቡር ንላዕሊ ካልእ እድሪስ’ውን ነብረና። እዚ ነጓዕ እድሪስ፣ ግዝፉ ብዝያዳ ኣብ ኢዱን እግሩን’ዩ። ርእሱን ኣስናኑን ድማ ዘርዕድ። ናይ ኣእምሮ ጸገም ዘለዎ’ዩ ዝመስል። ግና መን ይፍለጦ ንኢድሪስ። እድሪስ ነጓዕ ሕዳርባይ’ዩ። ኣብታ ጋንታ ትግርኛን ብዳዌትን ዘጣመረ ተዓላማይ ኣይነበረ። ዋላ’ውን ኣብ ምሉእ ክፍለሰራዊት ኣይተረኽበን። እድሪስ ነጓዕ፣ እቲ ዝዓበየ ቁጽሪ ዘለዎ ሽዳ’ውን ክኣኽሎ ኣይከኣለን። ድሕሪ ነዊሕ ክትዕትን ዘተን ዓላሞ፣ መራሒ ሓይሊ ወዲ ቦኽረ፣ እድሪስ በታ ዝመጻላ ጥላም ክዕለም ፈቀደ።  ኢድሪስ ጥራይ ነብሱ እንታይ ክመስል ከምዝኽእል ንምርኣይ ዘይተሃንጠየ ኣይነበረን። ክሳብ’ታ ካሚስን ከውሊ ጌሩ ካብታ ጋንታ ዝጠፍእ ግና ጥራይ ነብሱ ክሕጸብ ዝርኣዮ የለን። እድሪስ ነጓዕ ምጥፍኡ፣ ነቲ ብቋንቋ   ክረዳድኦ ኣጸጊምዎ ዝነበረ መራሕ ጋንታና ሸሪፎ ዓቢ ሩፍታ ነበረ። 

      እንተስ ብድሌት ነበርተን ከም ሃገር ዝተጠርነፋ (እንተለዋ ኮይነን) ወይ መግዛእቲ ጠርኒፉወን ሃገር ዝኾና፣ ህዝበን ብሓባር ዝረዳድኣሉ ናይ ሓባር ቋንቋ ክህልወን ኣገዳሲ ምዃኑ ቅድሚ’ዚ ናብ ሳዋ ምውራደይ ተማሂረሉ ኣይፈልጥን።  ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ፣ ኣብ እዋን ቃልሲ መዋግኢ ቋንቁኡ ትግርኛ’ዩ ዝነበረ። ናብ ኢህወደግ ተሰጋጊሩ ስልጣን መንግስቲ ምስ ሓዘ ግና ወግዓዊ ቋንቋ መንግስቲ ኣምሓርኛ ኮይኑ ክቕጽል’ዩ ወሲኑ። ብፍላይ’ቲ ብዓብላልነት ኣምሓርኛ ንሓደ ዘመን ሚኒን ዝበለ ህዝብታት ትግራይን ኦሮሞን፣ ሚኒኑ ክብእስ ደሪኹ ኣሎ። ኦሮሞ ኣብ ስልጣን እንተዝመጽእ ከ እንታይ ምገበረ? ኣብ ሓደ ለይቲ ኣምሓርኛ ጉሒፉ ምሉእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኦሮምኛ ከጽንዕ ዶ ምፈረዶ? እዚ ንኢትዮጵያውያን’ዩ ዝምልከት።

      ኤንሶ ማቴንሶ፣ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ብፈደረሽን እትመሓደረሉ ሕገ-መንግስቲ ንምድላው፣ ካብተን ዝኸበዳ ሰለስተ ግድላት ሓንቲ ጉዳይ ቋንቋ ነበረት። ህዝቢ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ብፈደረሽን እናተማሓደረ፣ ወግዓዊ  ቋንቋኡ እንታይ ይኹን? ኢትዮጵያ ኣምሓርኛ ንምትእትታው ትጽዕር። ቦሊቭያዊ ኤንሶ ማቴንሶ ከኣ ትግርኛን ዓረብን ወግዓዊ ቋንቋኦም ክኸውን ይምጉት።

     ገለ ክፋል ህዝቢ ኤርትራ፣ ቋንቋ ዓረብ ከም ወግዓዊ ቋንቋ ኤርትራ ክኸውን ዝደልየሉ ምክንያት ይገርመኒ’ዩ። ስለምንታይ ትግሬ ወይ ሳሆ ወይ ዓፈረ ወይ ትግርኛ ዘይማጎት? ዘየገርም’ውን ኣይኮነን። ዓረብ ዝቛንቁኡ ህዝቢ ኤርትራ እቲ ዝወሓደ’ዩ። ንሱ’ውን ኤርትራ ከም ሃገር ሃልያ ኣይሃልያ ወይ’ውን ንሱ ኣብታ ሃገር ሃልዩ ኣይሃልዩ ብዙሕ ዘየገድሶ ክፋል ህዝቢ’ዩ። እንተ’ቲ ካልእ ክፋል ሕብረተሰብ ናይዛ ብመግዛእቲ ዝተጠርነፈት ኤርትራ ነናይ ገዛእ ርእሱ ቋንቋ እንሃለዎ ምስ ዓረብ ፍቕሪ ምሓዙ ስለምንታይ’ዩ? 

     ፖለቲካዊ፣ ዲፕሎማስያዊ፣ ኣውራ’ኳ ሃይማኖታዊ ፍቕሪ ቋንቋ ዓረብ ዝሓዞም ኤርትራውያን ኣብዚ ናይ ዝሓለፈ 80 ዓመት ታሪኽ ግሉሕ ስፍራ’ዩ ዘለዎ። ዓረብ ስለምንታይ? መላእ ህዝቢ ተረዳዲኡሉን ኣሚንሉን፣ ዓረብ ወግዓዊ ቋንቋ እንተኾነ’ውን ኣምበይ’ምተጸልአን። ታዕሊም ብቋንቋ ዓረብ ምኾነ’ሞ ዓላማይ ሸሪፎን ተዓላማይ እድርስ ዓበን እኳ ግርም ምተረዳድኡ። ካልኣይ ጋንታ’ውን  “ታዕሊም ብቋንቋ ሳሆ ዘይከውን” ኣብ ዘበለ ርሱን ኩነታት ኣይምኣተወትን።

 Sawa

      ኣብ ካልኣይ ጋንታ፣ ምስ ታዕሊም ብፍላይ ድማ ኣብ ሰልፊ ጸገም እንተተላዒሉ፣ እቲ ጠንቂ እድሪስ ዓበ’ዩ። እድሪስ ዓበ ረኻቢ መከራ። ብቐደሙ’ውን ካብ ጉስነት ናብ ውትህድርና ብድሌቱ ኣይተጸንበረን። ብትግርኛ ኣብ ዝእዘዝ ሰልፊ፣ ብዘይካ ቋንቋ ናራ ካልእ ዘይፈልጥ እድሪስ ዓበ፣ ክመልኮ’ዩ ዝግደድ። ከመይ ኢሉ’ዚ ይኸውን? ሕጊ ሳዋ’ዩ። ‘ሪት-ለስ’ ንኢድሪስ ዓበ እታ ዝኸበደት ሳይንሳዊ ኣካይዳ ወዲ ሰብ’ያ። ግደ ሓቂ ‘ሪት-ለስ’ ንኽንደይ ትግርኛ ዝቋንቁኡ ተዓላማይ’ሞ ዳርጋ ኣፍ ንኣፍ ዘየወታተፈት። ሓጺር ዛንታ- ህይወት መምህር ይስሃቕ ተወልደመድህን- ቃልሲ ምጥፋእ ድንቁርና፣ መጽሓፍ መምህር ይስሓቕ ዮሴፍ ክሳዕ ዘንበብኩላ ዕለት’ውን ሪት ለስ፣ ማን ፊት፣ ጋም ፊት፣ ዝብሉ ወትሃደራውያን ቃላት ካበይ ከምዝተወርሱ ይፈልጥ ኣይነበርኩን። 

      ንድሕሪት ተመለስ ቁርጽ ኣቢልካ ዝተላግበት’ያ፣ ሪት-ለስ። መምህር ይስሓቕ ተወልደመድህንን ካልኦት ገዳይም መማህራንን ዘፍለቕዎ ናይ ትግርኛ ወትሃደራዊ ቃላት’ዩ። ወትሃደራዊ ኣካይዳ ወጺኡላ ድማ ከም ሳይንስ ትጽናዕ። ኣእጋርካ ፈርገጥገጥ ብምባል፣ ናብ ድሕሪ ትምለስ’ሞ፣ ኣብ መወዳእታ ደው ትብል ወይ’ውን ንቕድሚት ትኸይድ ከከም ትእዛዙ። ንዝኾነ ሓድሽ ተዓላማይ ቅልጢፍ ኢላ ትምለኽ ኣካይዳ ኣይኮነትን። ደሓን ኣይእትእቶ ሪት-ለስ።  

      ዓላሚ ሸሪፎ፣ ኣስመራ ማይ ኣባሻውል ተወሊዱ ዝዓበየ ወዲ ሹቕ’ዩ። ወዲ ሹቕ እትብል ሓረግ ንባዕላ ናይ ትግርኛ ፊደላት ደኣ ተሓንጊጣ እምበር ትግርኛዊ ትርጉም ሲ ዘለዋ ኣይኮነትን። ግና ደሓን ተረዲእኩምኒ ኣለኹም። ደይ ንሱ’ዩ ዝድለ። ምርድዳእ። እድሪስ ዓበን ሸሪፎን’ንዶ’ሞ ናይ ሹቕ ቋንቋ ፈጢሮም ግርም ኣይረዳድኡን። ክንደይ ሰናይ ምኾነ። ካልኣይ ጋንታ ከኣ ሰላም ምደቀሰት።

      ሸሪፎ፣ ብፍቕሪ ነንዝጠመተን ደቂንስትዮ ክንደይ ሳዕ የዒንቱ ጸቕጡለን ወይ ብቋንቋ ደቂ ሹቕ ‘ጸቅዩለን’ መን ይፈልጥ? ንእድሪስ ዓበ ግና ንመነጻጸሪ ተንሺን እትኸውን ጸጋማይቲ ዓይኒ ምጽቃጥ ንባዕላ ካብ መሽጎራጉር ምውጻእ ነበረት። ቻይናውያን ንእድሪስ ዓበ ከድሕኑ ግዲ’ሎም ተለጣፊ ችሮቶ ምሂዞም። እቲ እዋን’ቲ፣ ኣብ ስቴሽነሪ ሳዋ ብብዝሕ ካብ ዝርከብ ሓደ’ዩ ችሮቶ። ጸጋመይቲ ዓይኑ ምጽቃጥ ንዝኣበየቶ ተዓላማይ፣ ችሮቶ ይልጠፎ። ኣብ ካልኣይ ጋንታ ጸገመይቲ ዓይኖም ችሮቶ ዝተለጠፎም ክሳብ 11 ኣቢሎም ነበሩ። ጋንታና ካብ ወትሃደራዊት ኣሃዱ፣ ዝያዳ ሕክምና ዓይኒ መሲላ።

      ብዝኾነ ወዲ ሹቕ ሸሪፎ ብብሄር ትግርኛ፣ ቋንቋኡ ከኣ ትግርኛ’ዩ። ትግርኛ ብትግርኝኡ ናይ ደቂ ሹቕ ትግርኛ። እድሪስ ዓበ በንጻሩ ቋንቋ ናራ ጥራይ ካብ ዝዝረበሉ ቁሸታት ምዕራብ ኤርትራ’ዩ። እድሪስ ዓበ ጓስ ምስ ምንባሩ፣ ንደቂ ከተማ ግር ዘብልን ንሱን ኣጣሉን ጥራይ ዝረዳድእዎ ቋንቋ ኣይሰኣኖን ይኸውን። ሳዋ ደሓን ትእቶ ግና ትግርኛ ናራን ጥራይ ዘይኮኑ ወዲ ሽቑን ወዲ በረኻን ኣብ ሓደ ገደና ተራኸቡ። 

      ተዛራቢ ትግርኛ ክነሰይ፣ ዓላማይ ሸሪፎ ዋዝኡ፣ ጸርፉ፣ መልእኽቱ ዘይርድኣኒ እዋናት ብዙሕ’ዩ። ኣውራ  ኸኣ ጸርፍታቱ። ዝበዝሐ ጸርፍታቱ ምስ ታዕሊም ዝተተሓሓዘ’ዩ። ኢድሪስ ዓበ፣ ሪት-ለስ ተባሂሉ ዕንክይክይ እንተይሉ 

      “ኣንታ እንታይ’ዩ ዚ ዘባል ምለሊኽ፣” ዩ ዝብሎ። 

      ምስ ምለሊኽ ኣተሓሒዙ ምግላጹ፣ ምናልባት ሰብ ካብ ተሞክርኡ ስለዝዛረብ’ዩ። መስተይ ስዋ ምለሊኽ (ሚኒሊክ) ስማ ካበይ ከምዝተወርሰ ንሸርፎ ኣይንታዩን’ዩ።

      ሸሪፎን እድሪስ ዓበይን ዘይተገራጨዉለን መዓልታት ሒደት’የን። እድሪስ ዓበ ኣብ ርእሲ’ቲ ዝነበሮ ናይ ሰልፊ ጸገም፣ ኣብ ማእቶትን ስርሒትን’ውን ንጡፍ ኣይነበረን። ብዙሕ እዋን ብሕማም ይስነፍ’ዩ ዝነበረ። 

      “ነዚ ወዲ ወይ ክቐትሎ’የ…! ወይ ከኣ ኣጥፍኡለይ፣”  ነደረ ሸሪፎ።

      ኣቦይ እንብሎ ካብ ከባቢ መራጉዝ ተገፊፉ ዝመጸ ሽማግለ ነበራ ካልኣይ ጋንታ። ሓደ እዋን ንሸሪፎን እድሪስ ዓበን ክገላግል ተበግሶ ወሲዱ። ኣቦይ ሓሙሽተ ቆልዑ ገዲፉ ዝተገፈ ናይ ሓቂ ኣቦ’ዩ። ኣቦ ስለዝኾነ ድማ’ያ ካልኣይ ጋንታ ኣቦይ እትብሎ። ንስለ ሳጓ ዝጠበቖ ኣይነበረን።

      ኣብ ሰጣሕ ጎልጎል ብሰንኪ ሰልፊ ዝተላዕለ ዕግርግር፣ ሸሪፎ ንኢድሪስ ክሳብ ዝልህል ስላዕ ኣውረደሉ።  ኣቦይ ኣብ መንጎ ብምእታው፣

      “ዝወደይ ንስኻ ትሓይሽ መሓሮ ስለ ማርያም፣”  ለሚኑ። 

      ጸሓይ ሳዋ ኣብ ምማታ’ዩ። ጋንታ’ውን ብድኻም ዳርጋ ሞይታ’ያ።

      ተዓላማይ ካብ ማእከል ሰልፊ ወጺኡ  ገላጋላይ ክኸውን፣ እቶም ታዕሊም ዝወሰድኩም እስከ ሕሰብዎ? ኣቦይ ግና ስጉምቲ ወሲዱ። ፍቕሪ ወላዲ ዝደፍኦ ስጉምቲ። ኣቦይ ተዓላማይ ኣይነበረን። ወትሃደራን’ውን ኣይነበረን። ኣቦ ጥራይ’ዩ። ተገፊፉ ብግዴታ ንኽዕለም ዝመጸ ኣቦ። ልመና ኣቦይ ዘይተንከፎ ተዓላማይ ኣይነበረን። ብእድሪስ ዓበ ዘይደንገጸ’ውን ኣይነበረን። ምስ ተዓላሞ ካልኣይ ጋንታ ብስራት ኪዳንን ዮሃንስ ተወልደን በብዘለናዮ ተጠማመትና። ርእይቶ ከይንህብ በየናይ መዓንጣ። “እንታይ ፋይዳ ኸ ከይነምጽእ” ዝብል ስኑፍ ሕልና’ውን ደቝሱና’ዩ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነት ድማ፣ 13 ተዓላሞ ካብ ዝነበሩዋ ካልኣይቲ መስርዕ፣ ኣብ ድሕሪት ራብዓይ ተርታ ሒዙ ዝነበረ ኣሕመድ ዓሳውርታ፣

      “እዚ ወዲ ናይ ቋንቋ’ዩ ጸገሙ፣ ኣነ’ውን ከም ናቱ ጸገም ኣሎኒ፣ ወላ በብቋንቋና ዘይትዕልሙና ..”  ብጸያፍ ትግርኛ ዱበላ ደርጉሐ። 

      “ታዕሊም ብሳሆ ክኸውን ደሊኻዮ? መን ክዕልመኩም? ኣበይ ዘሎ ሳሆ’ዩ፣ ን20 ሽሕ ተዓላማይ ክዕልም? ወዲዛ ገርፋፍ….” መእሰርን መቑጸርን ዘይነበሮም ጸርፍታት ወሓዙ ካብ ሸሪፎ። 

      ኣተኩሮ ሸሪፎን ካልኣይ ጋንታን ካብ እድሪስ ዓበ ናብ ኣሕመድ ዓሳውርታ ዘበለ። መስኪናይ እድሪስ ቁሩብ የዕርፍ። 

      ስም ኣብኡ ሕጂ ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ክዝክሮ ኣይክኣልኩን። ኣሕመድ፣ ኣብ ስኳዴላ ፈትፊቱ ናይ ዘዝበልዖ መግቢ ተረፍ ኣብ እንድቅሰሉ ቦታ እናሓብአ ተኸኽ ዘበለ ታዓላማይ’ዩ። መን ይፈልጥ ኮን ዶኾን ዓጸቦ እንተመጽ’ሉ’ዩ ዝኸውን። ካብ ምግብና ስሩሕ መግቢ ከይሓበአ ዝመጸላ መዓልቲ’ውን ኣይዝክርን። ዝተሓበአ ስሩሕ መግቢ ምስቲ ናይ ሳዋ ሙቀት ከምጽኦ ዝኽእል ቲፎ ወይ ሸሮኽ መቸም እዝጊሄር’ዩ ኣውጺኡና። ኣሕመድ ሳሆታይ’ዩ- ዓሳውርታ። ታዕሊም ብዙሕ ዘሸገሮ ሰብ’ውን ኣይኮነን። ብትግርኛ ክዛረብ ሰሚዕዎ ዝፍለጥ ተዓላማይ ኣይነበረን። 

 

                                  +++++++++++++

Sawa agefa

      ሸሪፎን እድሪስ ዓበን ብቋንቋ ክረዳድኡ ዘይምኽኣሎም ናይ ክልቲኦም ጸገም ኣይነበረን። እቲ ጠንቂ’ውን ሸርፎ ኣይኮነን። ግምቢ ባቢሎን ከይህነጸ ብቋንቋ ዝሓናፈጸ ፈጣሪ’ውን ተሓታቲ ኣይነበረን። እቲ ኣውራ ጸገም፣ ጸገም ንምፍታሕ ኣብ ዘይምኽእል’ዩ ተሰሪጉ ዘሎ። 

      ሓያሎ ሃገራት ነዚ ጸገም’ዚ ንምእላይ፣ ሓይሎ መጽናዕታት፣ ናይ ፖሊሲ ምቕይያራትን ረፈረንዱማትን ኣካይደን’የን። ቋንቋ ንሸሪፎን እድሪስ ዓበን ጥራይ ዘይኮነ፣ ንህንድ ባንግላድሽን ናብ ክልተ ሃገር ዝገመዐ’ዩ። ወግዓዊ ቋንቋ ሕብረት ኤውሮጳ እንታይ ይኹን ኣብ ዝብል ፈረንሳን እንግሊዝን ብቃላት ዝተታኾሳሉ’ዩ። ኣመሪካ ነታ “ብቁጠባ ክትዕብልለና’ያ” እናለት እትሰግኣላ ቻይና ንምግጣም፣ ኣማኢት ኣሻሓት ዜጋታት ወግዓዊ ቋንቋ ቻይና-ማንዳሪን ከምዝመሃሩ ትገብር ኣላ። 

      ሸሪፎን እድሪስ ዓበን ብሰንኪ ናይ ቋንቋ ምርድዳእ እንተተጎራፈጡ ደኣ’ሞ እንታይ’ዩ ፍሉይነቱ። ፍሉይነቱ ጸገም ከምዘሎ’ውን ዘይምእማን’ዩ። ንጸገምና ክንዘራረበሉን ክንፈትሖን ድሉዋት ዘይምዃና’ዩ።  ኣብ ልዝብ ብመጠኑ’ውን ፍታሕ ይመጽእ’ዩ። ፍታሕ እንተዘይመጽአ ከኣ ካብቲ ሽግርን ምስቲ ሽግር ኣሳሲሩካ ምስ ዘሎ ሰብን ሓንሳእን ንሓዋሩን ምፍታሕ’ዩ።

      ንኣቦይ ከም ሸምጋሊ ወኑ ዘነቃቕሐት ንኣሕመድ ዓሳውርታ ከኣ ንመጀመርያ ግዜ ብትግርኛ ልሳኑ ዝኸፈተት ፍጻሜ፣ ዓለምትን መራሕቲ ሓይልታትን ኣከበት። ኣብ ሳዋ ወግዓዊት መረዳድኢት ቋንቋ፣ ስላዕ፣ ፍታሕ ኣየምጽአትን። 

      ወዲ ባጽዕ እንብሎ ራሻይዳ፣ ካብ ኣብ ታዕሊም ኣብ ሸቐጥ ሽጋራን ትምባኾን ዘሕለፎ ግዜ ይበዝሕ። ኣብታ ኣሃዱ ጥራይ ዘይኮነ ዳርጋ ኣብ መላእ ክፍለሰራዊት  ናይ ሓለፍትን ዓለምትን ተዓለምትን ጸገም ወልፊ ዝፈትሐ’ዩ። ንሓያሎ ወልፊ ዘይነበሮም ወልፊ ዘጀመረ’ውን’ዩ -ወዲ ባጽዕ። ወዲ ባጽዕ እንተዘየለ፣ በዓል ሸሪፎ፣ ወዲ ቦኽረ፣ ብሌናይ፣ ወደርሓ፣ ወዲ ሰሌ እንታይ ይኹኑ? ኣብዛ ንኹሉ ተዓላማይ ዝቐስቐሰት ፍጻሜ፣ ወዲ ባጽዕ ንእድሪስ ዓበ ብቋንቋ ዓረብ ጸገሙ ክርድኣሉ ፈቲኑ። እድሪስ ዓበ ዓረብ’ውን ዝመልኽ ኣይነበረን። 

      ሓያሎ ካልኦት’ውን ኣብ ካልእ ጋንታታ ይዕክሱ ኣለዉ እሞ ናይ ቋንቋ ጸገም ከይከውን ዝብል ግምቱ ሃቡ መራሕቲ ሓይሊ። ከም ፍታሕ ድማ፣ ብሌናይ ዝተባህለ ግዜያዊ ዓላማይ ነቶም ትግረን ናራን፣ ሕዳርብን ካልእ ዝቛንቑኦም ዓካሳት ንበይኖም ፍሉይ ታዕሊም ክህቦም ተወሰነ።

      ብሌናይ ብሄሩ ብሌን’ዩ። ቋንቋ ብሌን ክጸንቱ ይኽእሉ’ዮም ተባሂሎም ካብ ዝፍርሃሎም ኣብ ሓደጋ ዝርከቡ ቋንቋታት ዓለም ሓደ ምዃኑ ክኢላታት ስነ ቋንቋ ይገልጹዎ’ዮም። ሓደ ቋንቋ፣ እቲ ቋንቋ’ቲ ጥራይ ዝዛረቡ ህዝቢ እንተዘይብሉ ኣብ ከባቢኡ ብዘለዉ ቋንቋታት ከምዝወሓጥ’ዩ ዝገልጽ ስነ ቋንቋ። ብሌን ወይ ብትግሬ ወይ ከኣ ብትግርኛ ተዋሒጡ’ዩ ዘሎ። ኣብዚ እዋን’ዚ ቋንቋ ብሌን ጥራይ ዝዛረብ ብሌናይ ምርካብ ኣጸጋሚ’ዩ።

     ብሌን እቲ ዝጎርሐ ወይ ዕድል ዝገበረ ህዝቢ’ዩ። ኣብ ርእሲ ቋንቋኡ፣ ቋንቋታት ትግረን ትግርኛን ስለዝመልኽ፣ ኣብዛ ዓብላልን ተዓብላልን ክህልዋ ግድን ኮይና ዘላ ዓለም መዋጽኦ ፈጢሩላ’ዩ ነዛ ነብሱ። እንሆ’ኳ ብሌናይ ነዞም መዋጽኦ ዘይረኸቡ ክገላግል ተዓዲሙ ኣሎ። ብዝሒ ቋንቋ ሃብቲ’ዩ። ብገንዘብ ኣይትተምንዎ። እምበር ብዙሕ ቋንቋታት ዝመልኩ ድኻታት ሲ መሊኦም’ዮም።

      ሸሪፎ ንዝተወሰነ እዋን ካብ እድሪስ ዓበ ተገላጊሉ። እድሪስ ዓበን’ውን ካብ ሸሪፎ። 

      ንዝዓከሱ ተዛረብቲ ቋንቋ ትግርኛ፣

      “ኣንታ ምስዞም ብሄራት ክሰደኩም’የ’፣ እናለ’ዩ ዘፈራርሕ ሸሪፎ። 

      ክብ ልሳኑ ንዝወጹ ቃላት ከም መፈራርሕን መዋዘይን ደኣ ይጥቐመሎም ነበረ’ምበር ማለቱ ምዃኑ እዝግሄር ዋንኡ። ከም ወዮ ኣሕመድ ዓሳውርታ ዝበሎ፣ ታዕሊም ብሳሆ እንተዝኸውን፣ ካብ ኣንደበት ሸሪፎ ኣይምተሰምዑን። ዝብሎ ኣይፈልጥን’ዩ እሞ ኣይትሓዘሉ ኢልና ክንሰግሮ።  እንተ’ታ ታዕሊም እሞ እንቋዕ ብሳሆ ኣይነበረት። ንእድሪስ ዓበ ዝትክእ ተዓላማይ፣ ሸሪፎ ወይ ከኣ ኣነ ምኾና።  መን ይፈልጥ?

 

                                   ++++++++++++++

Sawa

      ድሕሪ ናይ ክልተ ሰሙን ፍሉይ ታዕሊም፣ እድሪስ ዓበ ናይ ቋንቋ ጸገም ጥራይ ዘይኮነ  ብወግዒ’ውን ዓካስ’ዩ ዝብል ፍሉይ ምስክር ወረቐት ሒዙ’ዩ ናብ ካልኣይ ጋንታ ተመሊሱ። 

      “እድሪስ ‘ኮ ዓበ ናይ ቋንቋ ትግርኛ ጸገም እንተዘይህልዎ ከመይ ዝበለ ምልምል ተዓላማይ ምኾነ፣” ንዝብል እምነት ካልኣይ ጋንታ ጠሸሽ ኣቢልዎ። 

      ወዲ ዓበ ጸገሙ ናይ ቋንቋ ዘይኮነ ዓካስ’ዩ ዝበለ መስካሪ ብሌና’ዩ። 

      ካልኣይ ጋንታ፣ ካብ ስድርኡ ሃዲሙ ዝመጸ ኣብ እግሪ ዩኒቨርስቲ ዝገዛውቱ ተስፋኣለም ዝብሃል ተዓላማይ’ውን ኔሩዋ’ዩ። ተስፋኣለም ኣብ ርእሲ’ቲ ብዕድመ ንእሽቶ ምዃኑ ብክቱር ድኻም ልቢ’ውን ይሳቐ’ዩ። ካብ ስድርኡ ሃዲሙ፣ እሞ ኸኣ ምስ ድኻም ልቡ፣ ስለምንታይ ሳዋ ከምዝመረጸ ዘይግረም ተዓላማይ ኣይነበረን።  ኣብ መንጎ’ዚ ናይ ታዕሊም እዋናት ተስፋኣለም ሃለዋቱ እናጥፍአ ምውዳቕ ስለዘዘውተረ፣ “ንውትህድርና ኣይብቁዕን” ተባሂሉ እንተተፋነወ ናብታ ናይ ቦርድ ኮሚተ ክቐርብ ተወሰነሉ። 

      ኣብ ሳዋ ሓደ ወይ ክልተ ግዜ ምውዳቕ ንቡር’ዩ። ኣብ ገለ እዋናት’ውን ዝወደቀ ሰብ፣ “ከደናግር’ዩ” ተባሂሉ ብስላዕ ንምብርባሩ ይፍተን’ዩ። 

      ብርቱዕ ዝናብ ኣብ ዝዘነበሉ፣ ንተዓላማይ መኣዝኑ ዘጥፍአ ምሸት፣ ተስፋኣለም ወዲቑ ተረኽበ። ኣብ ሕክምና ድሕሪ ምሕዳሩ ኩነታት ጥዕንኡ ሓደገኛ ምዃኑ ተመስኪሩ። ቦርድ ሕክምና  ንመብዛሕቱ ሓሚመ ዝበለ ጠራዒ ‘ያ ትነጽጎ። ኣብ ሽዱሽተ ወርሒ ሓንሳእ ጥራይ ኣብ ሳዋ ትርከብ ምዃና’ውን ንተስፋኣለም ተቐላጢፍካ ናብዛ ቦርድ ምልኣኹ ኣጸጋሚ ነበረ። 

      ሜዲካል ቦርድ ክሳብ እትእከብ መራሕ ሓይሊ ወዲ ቦኽረ ኣብ መውዓሊ ዓጌፋታት ከዕርፍን ብዙሕ ከይንቀሳቐስን ናይ ውልቁ ውሳኔ ሂቡ’ዩ። ልዕሊኡ ዘለዉ ሓለፍቲ ጸገም ከየምጽእሉ’ውን ጉዕዞ እግሪ ኣብ ዝህልወሉ ምስኡ ከምዝንቀሳቀስ’ዩ ዝገብሮ። ብዙሕ እዋን መራሕቲ ሓይሊ፣ ንተዓላሞ ንጉዕዞ እግሪ ወይ ማእቶት ኣፋንዮም’ዮም ዝምለሱ። ኣብ ግዜ ሰልፊ’ውን ኣብ ጽላል ወይ ከውሊ ኣዕሪፎም’ዮም ሰልፊ ዝዕዘቡ። ንተስፍኣለም ምውዳቑ እናገድደ ኣሸገሮ። ኣዘዝቲ ብርጌድ ስለዝተሰማምዑ ተስፋኣለም ብዕሊ ኣብ ዓጌፍኡ ዝተደነሰ፣ መግቢ ዓለምቲ ድማ ዝምገብ መደንገጽ ኮነ። ሳሕቲ’ውን ብዘይ ሰብ ኣይትግደፍዎ ይብሃል ነበረ። ምስ ተስፍኣለም ንምትራፍ ከም ዕረፍቲ ዝሕሰብ እኳ እንተኾነ ብዝጠቕምን ዘይጠቕምን ዝጨቓጨቕ ምስምዃኑ ግና ምስኡ ምትራፍ ዝመርጽ ዳርጋ ኣይነበረን። ምስ ተስፍኣለም ዝወዓልኩላ ዕለት፣ ካልኣይ ግዜ ኣይትደገም። ከም ስራሕ እንተኾኖ’ውን ናይ ሓይሊ ማይ ሓሉ ይብሃል’ዩ ተስፍኣለም። 

      እድሪስ ዓበ፣ በገላልጻ ቋንቋ ሳዋ ‘ዓካስ’ ዝብል ወግዓዊ ስም ሒዙ’ዩ።፣ ሳሕቲ’ውን ናይ ጥዕና ጸገም የጓንፎን ስለዝነበረ ምስ ተስፍኣላም ይተሓላለዉ ተባሂሉ፣ ኣብ ዓጌፋ ክውዕል ተመርጸ። ኣብታ ጋንታ ካብ ዝነበሩ ተወላዶ ብሄራት ሕዳራብ፣ ናራን ትግረን ዝበዝሑ ካምሲን እናተጎልበቡ ሃዲሞም’ዮም። “ናይ እግሪ ስንክልና ኣለኒ፣” እናበለ ሰፍለል ዝብል’ሞ፣ ዓላሞ ናይ ሳዋ ከኣ “ከኒቡ’ዩ” እናበሉ ወግሐ ጸብሐ ብስላዕ ዝሰሃልዎ ዝነበሩ ዳዊት ወዲ ጸሓፍላም’ውን ኣሰሮም ስዒቡ። ወዲ ዓበ እንተዝሃድም’ሞ ካልኣይ ጋንታ ክትገላገል’ዮም ዝመርጹ። እቲ ፍታሕ ፍትሕ ክኽውን ዓላሞ ዝተሃንጠዩሉ ግዜ ውሑድ ኣይነበረን። እድሪስ ዓበ ግና ኣይሃደመን። ወዲ ዓበን ከምታ ዝገደፍካዮ’ዩ ኣብ ዓጌፋ ተጋዲሙ ዝጸንሓ ንኻልኣይ ጋንታ። 

      ክግፈፍ እንከሎ ቅያር ክዳን ኣይተማልእን። ወድዩዋ ዝመጸ ጀለብያን ወትሃደራዊ ክዳን’የን ቅያራቱ። ጀለብዩኡ ወድዩ፣ ኣብታ ዓሰርተ ብሽዱሽተ ሜትሮ ዝኸውን ዝስፍሓ ዓጌፋ ምስ ተስፍኣለም ፊት ንፊት  ተጋዲሙ’ዩ ዝውዕል። ዓጌፋ ንመውዓሊ ደኣ’ምበር ዝሕደሮ ኣይነበረን። ምሕዳር ካብ ዓጌፋ ወጻኢ’ዩ። 

      ኣብ መውዓሊ ንእድርሲ ዓበ ዓለሞ ዝብል ትእዝዛ ንተስፍኣለም ተዋህቦ። ተስፋኣለም ንባዕሉ’ውን ንፉዕ ሰልፈኛ ኣይነበረን። ካብ ኢድሪስ ይሓይሽ’ዩ ስለዝበለ’ዩ ወዲ ቦኽረ፣ ብውሕዱ ዝንቀሳቀስሉ ንጥፈት ክህቦም ዝወሰነ። 

      ገለ ቁርብ ምምሕያሻት ተራእዩ። ወዲ ዓበ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ለውጢ ኣርእ’ዩ። ለውጢ ካብ ታዕሊም ንላዕሊ ኣብ ምብህሃል ቋንቋ ትግርኛ ዝዘበለ’ዩ። ምልምማድ’ዩ። ተስፋኣላም ንእድሪስ ዓበ ኣውራ ዝመሃሮ ነገር እንተኔራ ግና ማእከለይቶ ኣጻብእካ  ምውጻእ’ያ። ወዲ ዓበ ናይ ደቂ ሹቕ ቋንቋ ክለማምድ ምጅማሩ’ውን ነታ ጋንታ ፍሉይ ነገር ነበረ። ኣውራ ድማ ንሸሪፎ። ካብ ታዕሊም ብዝተመለስና፣ ሸርፎ ብቀጥታ ናብ ዓጌፋ ካልኣይ ጋንታ ብምእታው ንእድሪስ ዓበ ማእከል ኢዱ’ዩ ዘውጽኣሉ። ወዲ ዓበ’ውን ዕድመ ንተስፍኣለም ኣይሓቐመን ከምኣ ይመልሰሉ። ምናልባት ናይዞም ትግርኛ ዝዛረቡ ሰላምታ’ያ ሓሲቡ ይኸውን- ወዲ ዓበ። 

                                                  +++++++++++++++++

Sawa111

      “ዘምደቀይ ከምይ ውዒልኩም? ከመይ ሓዲርኩም’?” ናይ ኣቦይ መኽፈቲ ኣፍ’የን። 

      ምስ እድሪስ ዓበ ብፍሽኽታ ጥራይ’ዮም ዝረዳድኡ። ኣቦይ’ውን ኣካዳሚ ዝተማህረ ኣይነበረን። በዓልቲ ቤቱ ብደቂ ሓዋ ኣጽሒፋ እትልእከሉ ስድራቤታውን ፍቕራውን ደብዳቤታት ከንብበሉ ንምንታይ ዓይኑ ኣውዲቑለይ ኣይፈልጥን። ብድሕሪ ዓጌፋ ኣብ ባይታ ተጸጢሕና፣ ርግእ ኢለ ዘንብበሉ። ጽን ኢሉ’ውን ይሰምዓኒ። ምስ ዝተላእከ ደብዳቤታት ዝመስል ቅርጺ ኣትሒዘ ድማ፣ ንበዓልቲ ኪዳኑን ደቁን ስድራቤቱን  ክብሎ ዝደሊ መልእኽቲ ብጽሑፍ የቐምጠሉ።

     ኣቦይ ኣብ ዓጌፋ ካልኣይ ጋንታ ዝራህረሀ ሰብ ምዃኑ እድሪስ ዓበ’ውን ኣይሰሓቶን። ርህራሄ ቋንቋ ኣየድልዮን። ኣብ መግቢ ብፍላይ ኣብ ሻሂ ንዘሎ ዕግርግር፣ ኣቦይ ከምዘይናቱ’ዩ ዝርእዮ። ደቁ ብቁራስ እንጌራ ይበኣሱ ከምዘለዉ ግዲ ዝሓስቦ ኮይኑ ኣብ ሓደ ኩርናዕ ተኾይጡ ብስቕታ’ዩ ዝዕዘብ። ብሻሂ ዝተባኣሰት ካልኣይ ጋንታ  ጸኒሓ ናብ ሰሓቕን ጸወታን  ከምእትምለስ፣ ኣብ ሑቕፉ ካብ ዘዕበዮም ሓሙሽተ ደቁ ተማሂሩ’ዩ።  

      ሸሪፎ ከም ዓላማይ ብዙሕ ዘንጢልዎ’ዩ ነቦይ። ብዕልግናን ነውርን ዝተሓወሶ ዘረባታት መውጽኢ ኣፉ’የን። ነኣቦይ ምስ ዕድሚኡን ክብሩን ዘይከን ቃላት መሊኡዋ’ዩ ሳዋ። ካብ ደቁን ክብርቲ በዓልቲ ቤቱን ኣማኢት ኪሎሜተራት ተረሓሒቑ፣ ዝመረተት ሲማኖፍ ሒዙ ዝዕለም ዘሎ ኣቦይ፣ ኣብ ኣእምርሮኡ ክኣቱ ዝኽእል እንተዝርከብ፣ እንታይ ምበለ?

      ኣቦይ ክዝንጠልን ክዋረድን፣ ኣብ ካልኣይ ጋንታ ከም መዛኒዪ’ዩ ተወሲዱ። ንእስነት’ዩ ዝኸውን’ውን።  ወይ’ውን ኣብ ሳዋ ዝተጠርየ ዕንጅልና። ኣቦይ ግና ፍሽሕታን ስቕታን ጥራይ’ዩ መልሱ። ምናልባት ልቡ፣ “ወሊድኩም ፈትንዎ፣” ትብለና ኔራ ትኸውን። 

      ሓደ ካብ ኣባላት ጋንታ ሸሪፎን ቀረብተይን፣ ብስራት ኪዳነ፣ ሎሚ ኣብ ስዊዘርላንድ ኣቦ ቆልዑ’ዩ።  ልቢ ኣቦይ ካብቲ ሽዑ ዝያዳ ሎሚ የንብባ ይህሉ። ብስራት ኣብ ሩባ ዓዲ ዒለ፣ ኣብ ትሕቲ ጭዓ ኣብሪኹ፣ ብማይን ደረቕ ባንን ዓመት ጓሉ ዘብዓለ መምህር’ውን ይዝክዎ ይኸውን። ኣብ ሳዋ ዘንቀልና’ዮ ኣምላኽን ፍትሓውነቱን ዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዓዲ ዒለ’ውን ከይወዳእና’ዮ ኢና ተፈላሊና ምስ ብስራት። ተልሜዴን ፍልስፍና ሳዋ።

      ዮሃንስ ተወልደ፣ ዮርሳሌም ምስ ዝስማ ጓል ገዛውቱ፣ ብዛዕባ ዘሕለፎ ፍቕራዊ ህይወት ብተመስጦ’ዩ ዘዕልል። ምስ ብስራት ከምኡ ዓይነት ተሞክሮ ከምዘየሕለፍና፣ ነቲ ዕላል ዝነበራን ተመስጦ ምስክር’ዩ። 

      ድሕሪ ድራር፣ ስኳዴላ ተሓጺበን ኣብ መሸማዕ ምስተኸታ፣ ኣብ ክፉት ኣየር ናይ ሳዋ፣ ኮቦርታ ተነጺፉ፣ ዕላላት ጆን ናይ ዘሕለፎ ፍቕሪ ኣይጽገብን’ዩ። ፒክኒክ እንተዝኽውን ምሓደርናሉ። ውህሉል ድኻም ግና ንትኽስ የገድድ።

      ህይወት ሳዋ ተለማዲ’ዩ። ንሕማቕ ይኹን ንጽቡቕ ካብ ጋንታኻ ክትፍለ ሓድሽ ስምዒት’ዩ ዝፈጥር። ሰዓት 6 ድሕሪ ቀትሪ ኣቢሉ’ዩ። ድሕሪ ድራር ሳንጣይ ጠርኒፊ ንኻልኣይ ጋንታ ይፋነዋ ኣለኹ።

      ጆን ናብ ኣፍቃሪቱ ዘዳለዎ ደብዳቤ ብሓደራ ኣቐቢሉኒ። ብስእሊ ዕንባባን ጥቕስታትን ዝተወቓቐጠት’ያ። ዮርሳሌም ኣዝያ ምልክዕት መንእሰይ ኮይና’የ ረኺበያ። ነገረ’ያ ኣጋጣሚ ከኣ መድሃኔ ንዝተባህለ መማህርተይ ነበረ ሓብቱ’ያ። ስድርኦም ዕዳጋ ደርሁ ዝውንኑ ምስ ምዃኖም ደርሆን እንቋቁሖን ኣብ ወዞም ይርአ።

      ኣብ ዝነበርናዮ ዕድመ ክንድዚ ድፍረት?  ብሓቂ ጆን ደፋር’ዩ። ፍቕሪ ኸኣ ደፋር’ዩ ዝደሊ። ምስዚ ኩሉ ድፍረቱ ሕጂ ደኣ ከመይ ዝበለት ኣፍቓሪት ሒዙ ይህሉ? ጆን፣ ንዮርሳሌም ኣለም ትመስል ምልክዕቲ ብዕርክነት ምሓዙ ብውሽጠይ ኣድኒቐዮ። 

      ዮርሳሌም ምስ ጆን ድሕሪ ምፍልላያ ካብ ሓደ ጻዕዳ ወሊዳ’ያ። ንመዳ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፣ ኣብ ዝረኸብክሉ፣- “እታ ጽብቕቲ ሓፍትኻ ኸ ከመይ ኣላ?” ምባለይ ቅንኢ ኣይስምዖን ይኸውን።

      ኣብ ወጻኢ ሃገር’ያ ዘላ። ዮርሳሌም ኣለም ኣብ ሳዋ፣ ኣፐረቲቮና ምንባራ መዳ ኣይፈልጥን’ዩ። 

 

                                +++++++++++++++

 Sawa222     

      ሳዋ ንኻልኣይ እግሪ ክምለሳ፣ ከምቲ ዝፈልጣ ኣይጸንሓትንን። ዓጌፋታት የለን። ሳዋ ማዕቢላ’ያ። ዝያዳ ሳዋ ግን ኣነ’የ ማዕቢለ መስለኒ። 

      “ሰብ እንተዘይማዕበለ ሃንገራትን ጽርግያታትን ኣብ ምንታይ ከብጽሓና’ዩ?” ደሚዲመ።

      ግደ ሓቂ ግና ሳዋ ካብ  ዓጌፋታት ናብ ሃንገራት ተሰጋጊራ’ያ። መብራህቲ’ውን ኣለዋ። ካብ ርሑቕ እናኽትቀርባ፣ ጭልምልም እትብል ንእሽቶ ከተማ’ያ ትመስል። ብዙሕ ነገራ ተቀይሩ’ዩ። ካብቲ ዘይተቀየረ ኣውራ ቋንቋ’ዩ። ንሓድሕድ ትሰማማዓሉ ቋንቋ የብላን።ሒዛቶ ዘላ ወግዓዊ ቋንቋ በትሪ ጥራይ’ዩ። 

      ቋንቋ፣ ሪት-ለስ መበሊ ጥራይ ኣይኮነን። ቋንቋ ፖለቲካ ጥራይ’ውን ኣይኮነን። ምስ ጆን ብቋንቋ እንተዘይንራዳዳእ፣ ንኣፐረቲቮ- ዮርሳሌም ኣለም ኣበይ ምፈለጥና’ያ። ብዮርሳሌም ዘምሰናሎም ምሸታት ካብቶም ዝመቐሩ’ዮም። ምስ እድሪስ ዓበ ከነውግዓሉ እንኽእል ቋንቋ እንተዝነብረና፣ ፍቕሪ  ከዲጃን ዓይሻን መቋስይትና ምኾነ። ዕላላት፣ ድሕሪ ድራር ኣብ ክፉት ሰማይ፣ ከዋኽብቲ እናቖጸርካ’ዩ። እድሪስ ዓበ ነዛ ህሞት’ዚኣ ዝያዳ’ቲ ካልእ ይብህጋ ኔሩ ይከውን። ንገዛእ ርእሱ ኣብ ገዛ ርእሱ ሓቢኡ እሂን-ሚህን ዝብለሉ ጸላም ስለእትፈጥረሉ። ንነገሩ፣ ኣብ ምድረ ቤጃ-ሕዳርብ ዝኾነት ሳዋ፣ ብቋንቋ ናራ ኢህን-ሚህን ዘባህሎ ዝሰኣነ ኢድሪስ ዓበ- ከም ኣብ ቀትሪ ኣብ ለይቲ’ውን ጸጥ ምስ በለ’ዩ።  

      ኢድሪስ ዓበ፣ ጸጋመይቲ ዓይኒ ምጽቃጥን ሪት-ለስን ከይመለኸ’የ ካብ ካልኣይ ጋንታ ተፋንየ። ንዝበዝሑ ኣባላት ካልኣይ ጋንታ ዕላል ብዝተሓወሶ ሰላምታ’የ ተፋንየዮም። 

      ናብ ኢድሪስ ቀሪበ። ገጽ ንገጽ ተጠማመትና። ዝብሎ ቃላት የብለን። ንሱ’ውን ዝመልሰለይ ቃላት የብሉን። ካብታ ጋንታ ጠቕሊለ ይፋኖ ምህላወይ ቁሩብ ተረዲእዎ ይኸውን። ስለምንታይ? ናበይ? ግና መን ከረድኦ። 

      ንኢድሪስ ዓበ ፍሽኽ እናበልኩ ማእከለይቶ ኣጻብዕተይ ኣውጻእክሉ። ኣቦይ ከይርእየኒ እናተሰከፍኩ’የ። ንሱ’ውን ከምኣ። ኣብ ካልኣይ ጋንታ ምስ እድሪስ ዓበ እንርዳድኣላ እንኮ ሰላምታ ካብ እትኸውን ሰሙናት ኣቑጺራ’ያ። ደሓን ይእቶ ተስፍኣለም ዘረዳድኣና ወግዓዊ ናይ ሰላምታ ቋንቋ ኣውጁልና። 

 

ዕባይ ኣኽርያ 

ካብ ፓሪስ

ታሕሳስ 2015

=============================== 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0