3 ግንቦት ኣህጉራዊ መዓልቲ ናጻ ፕረስ ብደረጃ ዓለም ተዘኪሩ

3 ግንቦት ኣህጉራዊ መዓልቲ ናጻ ፕረስ ብደረጃ ዓለም ተዘኪሩ

Radio Erena: 04 May 2018

free press

ኣህጉራዊ መዓልቲ ናጻ ፕረስ’ ትማሊ 3 ግንቦት ብደረጃ ዓለም ተዘኪሩ።

ናይዚ ዓመት’ዚ ኣህጉራዊ መዓልቲ ናጻ ፕረስ ፣ ኤርትራ ዝበኣሰ ኩነታት ናጽነት ፕረስ ካብ ዘለወን ሃገራት ተባሂላ ንሰሜን ኮርያ ጥራይ በሊጻ ካልኣይቲ ኣብ ዝተሰርዓትሉ ኣጋጣሚ’ዩ ዝዝከር ዘሎ።

ኣብ ፓሪስ ዝመደበሩ ኣህጉራዊ ትካል ጋዜጠኛታት ብዘይዶብ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝዘርግሖ ናይ 2018 ደረጃታት ናጽነት ፕረስ፣ ኤርትራ፣ ካብ 180 ሃገራት ኣብ መበል 179’ያ ተሰሪዓ።

ኤርትራ፣ ነዚ ዝሓለፈ 10 ዓመታት ዝኸፍአ ናጽነት ፕረስ ዘለዋ ሃገር ተባሂላ ኣብ ቀዳማይ ቦታ’ያ ሒዛ ጸኒሓ።

ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝዝከር ዘሎ ኣህጉራዊ መዓልቲ ናጽነት ፕረስ፣ ኣብ ከም በዓል ኤርትራ፣ ሰሜን ኮርያ፣ሶርያ፣ ቻይና፣ ቱርኪመንስታንን ካልኦትን ዝኣመሰላ ሃገራት፣ ህዝቢ ሓሳቡ ብናጻ ናይ ምግላጽ መሰል ተሓሪሙ ምህላዉ ኣጉሊሑ።

ንሓይሎ ጋዜጠኛታት ንልዕሊ 15 ዓመታት ደሃዮም ኣጥፊኡ ዘሎ መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብታ ዘመሓድራ ሃገር፣ ባዕሉ ዝውንነን ሓንቲ ጋዜጣ፣ ሓንቲ መደበር ቴሌቪዥንን ሬድዮን እንተዘይኮይኑ፣ ህዝቢ ሓሳቡ ብናጻ ዝገልጸሉ ካልእ ናይ ብሕቲ ማዕከናት ዜና የለን።

እቲ መንግስቲ ኣብ ኢንተርነትን ቴሌፎንን ብዝገብሮ ጽኑዕ ምቁጽጻር’ውን፣ ዜጋታት ኤርትራ ዝመረጽዎ ሓበሬታ ኣብ ዝመረጽዎ ግዜን ቦታን ክቕበሉ ይኹን ከመሓላልፉ ከምዘይክእሉ ይፍለጥ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0