ቻይና፣ ንክልተ ነፈርቲ ኲናት ኣመሪካ ኣውዲቓ ንዝብል ክሲ ነጺጋቶ

ቻይና፣ ንክልተ ነፈርቲ ኲናት ኣመሪካ ኣውዲቓ ንዝብል ክሲ ነጺጋቶ

Radio Erena: 06 May 2018

lemonierኣብ ጂቡቲ ኣብ ልዕሊ ነፈርቲ ኲናት ኣመሪካ ዘጋጠመ ክልተ ሓደጋታት፣ ቻይና ብዝዘርገሓቶ ናይ ጨረርታ ብርሃን’ዩ ተባሂሉ ንዝወጸ ክሲ፣ መንግስቲ ቻይና ናይ ኣሉታ መልሲ ሂቡሉ።

ወሃብ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ብዕለት 4 ግንቦት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣቕሪባቶ ዘላ ክሲ መሰረት ዘይብሉ’ዩ ክብል ናይ ኣሉታ ምላሽ ሂቡ።

ብዕለት 3 ግንቦት ዳና ዋይት ካብ ፐንታጎን ኣብ ዘቕረበቶ ክሲ፣ ቻይና ኣብ ጂቡቲ ከባቢ መዓስከር ለሞንየ ብዝወንጨፈቶ ናይ ጨረርታ ብርሃን ኣብ ልዕሊ’ተን ካብ ወፍሪ ተመሊሰን ዝዓርፋ ዝነበራ ነፈርቲ ናይ ሞተር ጸገም ብምፍጣሩ እቲ ሓደጋ ከምዝተላዕለ’ያ ሓቢራ። ንሳ ብተወሳኺ፣ ኣብ ጂቡቲ ዓስኪሩ ዘሎ ሰራዊት ቻይና ብጌጋ ዘይኮነ፣ ኮነ ኢሉ ከምዝገበሮ’ያ ትገልጽ።

እቲ ጨረርታ ብርሃን ወይ ሌይዘር፣ ኣስታት 10 ኪሎሜተር ካብ መዓስከር ለሞንየ ኣቢሉ ከምዝተወንጨፈ’ዩ ዝግለጽ ዘሎ።

ቻይና፣ ነዚ ብሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝቐርበላ ዘሎ ክሲ ናይ ኣሉታ መልሲ ካብ ምሃብ ሓሊፋ ዝኾነ መብርሂ ኣይሃበትን። ኣብዚ ሓድሽ ከፊታቶ ዘላ ናይ ጂቡቲ መዓስከር ስለምንታይ ናይ ጨረርታ መሳርሒታት ከምዝተኸለት’ውን ብሩህ ኣይኮነን ክብሉ ወተሃደራውያን ተንተንቲ ይገልጹ።

ቻይና ኣብ ጂቡቲ ወተሃደራዊ መዓስከር ኣብ ዝኸፈተትሉ፣ ሰበስልጣን ኣመሪካ ነቲ ኣብታ ሃገር ዓስኪሩ ዘሎ ሰራዊቶም ከቢድ ስግኣት ክኸውን ምዃኑ ብተደጋጋሚ ከጠንቅቑ ከምዝጸንሑ ይግለጽ።

===================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0