ፖሊስ ሱዳን ብዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ደቂ ሰብ ተጨውዮም ንዝጸንሑ 21 ኤርትራውያን ናጻ ኣውጺኦም

Radio Erena: 16 April 2017

ሱዳን ዶብፖሊስ ሱዳን ብዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ደቂ ሰብ ተጨውዮም ንዝጸንሑ 21 ኤርትራውያን ናጻ ከምዘውጽኡ ኣገልግሎት ዜና ኣናዶሉ ንምንጭታቱ ብምጥቃስ ሓቢሩ።

እቲ ኣገልግሎት ዜና ኣብ ዘርግሖ ሓበሬታ፣ ኣብቲ ምስ ኤርትራ ዘዳውብ ምብራቓዊ ዞባ ከሰላ ተጨውዮም ዝነበሩ ኤርትራውያን 10 ደቂ ተባዕትዮ 8 ደቀንስትዮን ሰለስተ ትሕቲ ዕድመ ህጻናትን ምዃኖም ኣመልኪቱ።

ኣብቲ ብምትሕብባር ፖሊስ፣ ኣባላት ጸጥታን ሰራዊትን ብሓሙስ ዕለት 13 ሚያዝያ ዝተኻየደ ስርሒት ሸውዓተ ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ’ውን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ተሓቢሩ።

ነቲ ስርሒት ዝመርሐ ኮማንደር ፖሊስ ሓሰን ኣዳም ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ 21 ኤርትራውያን ኣብቲ ቦታ ተጨውዮም ከምዘለዉ ሓበሬታ ኣብ ዝረኸቡሉ፣ ብኡ ንብኡ ኣብ ትሕቲ ከበባ ብምእታው መጥቃዕቲ ከምዘካየዱ ገሊጹ።

ሕብረት ኤውሮጳ ዋሕዚ ስደተኛታት ብፍላይ ኤርትራውያን፣ ሶማላውያንን ኢትዮጵያውያንን ገና ኣብ ሱዳን እንከለዉ ንምግታእ ናይ 100 ሚልዮን ባጀት ከምዝሰለዐ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ እዚ ብሓሙስ ዝተኻየደ ስርሒት ኣካል ናቱ ንምዃኑ መንግስቲ ሱዳን ዝሃቦ ዝኾነ ሓበሬታ የለን።

========================= 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0