ብመንግስቲ ኤርትራ ዝዳሎ ኣህጉራዊ ዋዕላ መንእሰያት ህግደፍ ፈሺሉ

Radio Erena: 16 April 2017

ደሞ ሆላንድብመንግስቲ ኤርትራ ዝዳሎ ኣህጉራዊ ዋዕላ መንእሰያት ህግደፍ፣ ናይ ሎሚ ዓመት መደቡ ከምዝፈሸለ ተፈሊጡ።
እቲ ኣብ ነዘርላንድስ ከተማ ፈንድሆቨን ክካየድ ተመዲቡ ዝነበረ ዋዕላ መንእሰያት ህግደፍ፣ ብዘጋጠሞር ተሪር ተቓውሞ ደለይቲ ለውጢ ኤርትራውያን’ዩ ክፈሽል ክኢሉ።

ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ ነበርቲ ነዘርላንድስ ድሕሪ ዘርኣዩዎ ተሪር ናይ ተቓውሞ ሰልፊ፣ ምምሕዳር’ታ ከተማ ነቲ ዋዕላ ደው ከብሎ ከምዝተገደደ ማዕከናት ዜና’ታ ሃገር ገሊጸን።

ኣዳለውቲ ዋዕላ መንእሰያት ህግደፍ፣ እቲ ብምምሕዳር’ታ ከተማ ዝተወስደ ስጉምቲ ፍትሓዊ ኣይኮነን ብምባል ናብ ቤት ፍርዲ’ኳ እንተጠርዑ፣ ቤት ፍርዲ’ታ ከተማ ነቲ ጥርዓን ብምንጻግ፣ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብርኣብን ካልኦት ሓለፍቲን ዝርከብዎም፣ ኩሎም ተሳተፍቲ ዋዕላ ህግደፍ ካብቲ ሆቴል ጠቕሊሎም ክወጹ ኣዚዙ።

እዚ ብመንግስቲ ኤርትራ ዝካየድ ኣህጉራዊ ዋዕላ መንእሰያት ህግደፍ ካብ ነዘርላንድስ ክጋባእ መዓልታት ኣብ ዝተረፈሉ እዋን፣ ሓያሎ ኣባላት ባይቶ መንግስቲ ነዘርላንድስ ተቓውሞኦም ኣስሚዖም’ዮም።

ነቲ ዋዕላ ከካይድ ተመዲቡ ዝነበረ በዓል ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብርኣብ ናብ ነዘርላንድስ ዝኣተወሉ ብናይ ዲፕሎማሰኛ መንነት ዘይኮነ፣ ከም ተራ ተጎዓዛይ ብካልኦት ሃገራት ኤውሮጳ ኣቢሉ ዝመጸ ብምዃኑ፣ መንግስቲ ነዘርላንድስ ሓላፍነት ክወስደሉ ኣይክእልን’ዩ ብምባል’ዮም ሓያሎ ኣባላት ባይቶ’ታ ሃገር ነቲ ዋዕላ ዘለዎም ተቓውሞ ዝገልጹ።

እቲ ብኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ ዝተኻየደ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ፣ ኣብ ማዕከናት ዜና ነዘርላንድስ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ሰፊሕ ሸፈነ ተዋሂቡዎ ቀንዩ። ላዕለዎት ፖለቲከኛታትን ክኢላታትን ኣብ ማዕከናት ዜና ነዘርላንድስ ካብ ዝህብዎ ዝነበሩ ትንታነታት፣ እቲ ንህዝቡ ብሕሱም ኣተሓሕዛ ዘሳቕይ ዘሎ መንግስቲ ኤርትራ ብሰንክኡ ንዝተሰዱ ዜጋታቱ ኣብ ዘዝኸድዎ ሃገር እንዳርከበ ከፋራርሕን ዘሕጋዊ ግብርን ካልእ ኣታዊታትን ክእክብ ክፍቀደሉ ኣይግባእን ኢሎም።
ፖሊስ ከተማ ፈንድሆቨን ነቲ ተቓውሞ ንምህዳእ 128 ዝኾኑ ሰልፈኛታት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ድሕሪ ምእታው ብዓርቢ ንግሆ ከምዝፈነዎም ተፈሊጡ። እቶም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተዉ ሰልፈኛታት ንማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝህብዎ ዝነበሩ ቃል፣ ምእንቲ’ቲ ኣፉ ተለጒሙ ዘሎ ህዝብና ክንዛረብ፣ ክንእሰር ጥራይ ዘይኮነ ካልእ ክንከፍል’ውን ድሉዋት ኢና ብምባል ሕቡናት ምዃኖም ገሊጾም።

እዚ ብመንግስቲ ኤርትራ ዝዳሎ ኣህጉራዊ ዋዕላ መንእሰያት ህግደፍ ኣብ ነዘርላንድስ ብምፍሻሉ፣ ብዘይካ’ቲ ከባቢ 800 ሚእቲ ሽሕ ዩሮ ገንዘባዊ ክሳራ፣ ምስ መንግስቲ ነዘርላንድስ ዝህልዎ ዲፕሎማስያዊ ወጥሪ፣ ከምኡ’ውን ነቲ መንግስቲ ኤርትራ፣ ተቓዋሚ የብለይን ዝብል ጎስጓሳቱ ዓቢ ፖለቲካዊ ጽፍዒት ምዃኑ፣ ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ ይገልጹ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0