ፕሮግራም መግቢ ዓለም፣ ኣብ ደሴን ኮምቦልቻን ከካዪዶ ዝጸንሐ ምዕዳል መግቢ ረዲኤት ደው ኣቢሉ

Radio Erena: 12 December 2021
ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ፣ ከባቢታት ደሴን ኮምቦልቻን ከካዪዶ ዝጸንሐ ምዕዳል መግቢ ረዲኤት ደው ከምዘበሎ ገሊጹ።
እቲ ኣካል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ ኣብ ደሴን ኮምቦልቻን ዝርከብ መኽዘናቱ ተኸታታሊ ዝምታ ስለዝተኻየደሉ፣ ምዕዳል ረዲኤት ደው ከብል ከምዝተገደደ ኣፍሊጡ።
ብፍላይ ኣብ ገለ ከባቢታት ብረት ብዝዓጠቑ ሓይልታት ዝተኻየደ ዝምታ፣ ንሰራሕተኛታቱ ኣብ ሓደ ከምዘውደቖም ኣፍሊጡ።
ወሃብ ቃል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ስተፋን ዱጃሪክ ብረቡዕ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ኣባላት ሓይልታት ትግራይን ብጉጅለታት ዝተጠርነፉ ነበርቲ እቲ ከባቢን እዮም ነቲ ዝምታ ፈጺሞሞ ክብል ከሲሱ።
ዝሓለፈ ሰኑይ፣ ሰራዊት ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ንከተማታት ደሴን ኮምቦልቻን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ከምዘእተወን ገሊጹ’ዩ።
ወሃብ ቃል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብተወሳኺ፣ ኣብ ልዕሊ ትካላት ሰብኣዊ ረዲኤት ዝፍጸም ዝምታ ብዝኾነ ወገን ይካየድ፣ ኣበሳኡ ነቶም ብዋሕዲ መግቢ ዝሳቐዩ ዘለዉ ህጻናትን ኣዴታትን እዩ ብምባል፣ እቲ ዝምታን ክትራንን ደው ክብል፣ ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታት ረዲኤት ዝወርድ ምፍርራህ ከኣ ክቋረጽ ተማሕጺኑ።
ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያ ተጸባዪ ረዲኤት ኮይኑ ናይ ዘሎ ቁጽሪ ህዝቢ ናብ 9.4 ክብ ከምዝበለ ጸብጻባት ውድብ ሕቡራት ሃገራት የመልክቱ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0