ኤርትራ ኣብ መደብ ኮቫክስ ክትጽምበር ንዝቐርበላ ዘሎ ተደጋጋሚ ጻውዒት ትነጽግ

Radio Erena: 12 December 2021

ኤርትራ ኣብ መደብ ኮቫክስ ክትጽምበር ንዝቐርበላ ዘሎ ተደጋጋሚ ጻውዒት ትነጽጎ ከምዘላ ተገሊጹ።
ማእከል ምቁጽጻር ተላባዒ ሕማማት ኣፍሪቃ፣ ናይሮቢ ካብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ብሓያሎ ሃገራት ምዕራብን ለገስቲ ኣህጉራውያን ትካላትን ንኣፍሪቃ ዝተለገሰ ክታበት ጸረ ኮሮና ቫይረስ፣ ኤርትራ ተረባሒት ክትከውን መታን፣ ኣብ መደብ ኮቫክስ ክትሕቆፍ ንዝቐረበላ ጻውዒት፣ ሕጂ’ውን ከምዝነጸገቶ ኣፍሊጡ።
እቲ ትካል ኣብ መግለጺኡ፣ ኣብዚ መደብ ተጠርኒፈን ዘለዋ 55 ሃገራት ኣፍሪቃ እቲ ክታበት በብቁሩብ ይባጸሐን እኳ እንተሎ፣ ኤርትራ ግና ኣብቲ መደብ ክትጥርነፍ ፍቓድ የብላን ኢሉ።
1.3 ቢልዮን ብዝሒ ህዝቢ ካብ ዘለዋ ኣህጉር ኣፍሪቃ፣ እቲ 2 ሚእታዊት ጥራይ እዩ ክታበት ጸረ ኮሮና ቫይረስ ክረክብ ክኢሉ ዘሎ።
ነዚ ብመደብ ኮቫክስ ዝርከብ ሓገዝ፣ ገለ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ንሓካይም፣ ሰራሕተኛታት ትካላት ጥዕና፣ ኣረጋውያንን ሕዱር ሕማም ንዘለዎምን ኣብ ምኽታብ የውዕሎኦ ኣለዋ።
ካብ ማእከል ምቁጽጻር ተላባዒ ሕማማት ኣፍሪቃ፣ ጆን ከንጋሶንግ፣ ኤርትራ ኣብ መደብ ኮቫክስ ንኽትሕቆፍ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ክቕጽል ምዃኑ ብግላጽ፣ ናብ መንግስቲ ኤርትራ ዝቐርብ ምሕጽንታ ብሕጂ’ውን ክለኣኽ ምዃኑ ኣፍሊጡ።
ንሃገራት ኣፍሪቃ ዝተለገሰ እዚ ክታበት፣ ብመደብ ኮቫክስ ኣብ መንጎ ዝተጠርነፋ ሃገራት ንዝግበር ምምቕራሕ፣ ዝዓበየ ክፋሉ ብመንገዲ ሕብረት ኣፍሪቃን ውድብ ጥዕና ዓለምን እዩ ዝካየድ ዘሎ።

 

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0