ፕረዚደንት ጂቡቲ፣ ሓድሽ መንግስቲ ኣቝሙ

Radio Erena: 27 May 2021

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ፣ 97.4% ናይ ድጋፍ ድምጺ ብምርካብ፣ ንሓሙሻይ እዋኑ ኣብ ስልጣን ንምቕጻል ዝሓለፈ ሰሙን ቃለ መሓላ ዝፈጸመ ፕረዚደንት ጂቡቲ እስማዒል ዑመር ገለ፣ ሓድሽ መንግስቲ ኣቝሙ።

እቲ ካብ 24 ግንቦት ኣትሒዙ ቆይሙ ዘሎ ሓድሽ መንግስቲ፣ መብዛሕትኦም ኣብ ስልጣን ዝነበሩ 24 ኣባላት ካቢኒ ሚኒስተራት ኣብ ዝነበርዎ ጽፍሒ ዘቐጸለ ኮይኑ፣ ክልተ ሓደሽቲ ጽፍሕታት ወሲኹ።

ን22 ዓመታት ፕረዚደንት ጂቡቲ ዘሎ እስማዒል ዑመር ገለ፣ ኣብዚ ንተወስኺ ሓሙሽተ ዓመታት ዝቕጽል ስልጣኑ፣ ፖለቲካዊ ይኹን ቁጠባዊ ምቅይያራት ንምትእትታው መደብ ከምዘይብሉ ኣቐዲሙ ክጥቐስ ጸኒሑ’ዩ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0