ብድኽነት፣ ኵናትን ድሕረትን እትሕመስ ዘላ ኣፍሪቃ፣ ‘መዓልቲ ኣህጉር ኣፍሪቃ’ ዘኪራ

Radio Erena: 27 May 2021

25 ግንቦት መዓልቲ ኣህጉር ኣፍሪቃ ተዘኪሩ።

መዓልቲ ኣህጉር ኣፍሪቃ፣ ዝኽሪ ናይቲ ኣብ 25 ግንቦት 1963፣ ኣቐዲመን ናጽነተን ተጎናጺፈን ዝነበራት 32 ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ንምቛም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ስምምዕ ዝኸተማሉ ዕለት’ዩ።

ኣብዚ እዋን’ዚ፣ ናጽነተን ዝተጎናጸፋ 54 ሃገራት ዝሓቖፈት ኣህጉር ኣፍሪቃ፣ ነቲ ቅድሚ 58 ዓመታት ዝተኸተመ ምትእኽኻብ ኣብ እትዝክረሉ ዘላ እዋን፣ ኣብ ማሊ ወትሃደራዊ ዕልዋ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ኵናትን ቀቢላዊ ግጭታትን፣ ኤርትራ ኣብ እትርከበን ብውሕዱ 8 ሃገራት፣ ንልዕሊ 25 ዓመታት ዝቐጸለ ምልኪን ምግሃስ መሰላት ደቂሰብን፣ ዳርጋ ኣብ ኩለን ሃገራት ኣፍሪቃ ድማ ዘይብቑዕ ምሕደራ፣ ድኽነትን ድሕረትን ከተወግድ ኣይከኣለትን።

ኣብ 2002ንውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ዝተክአ ሕብረት ኣፍሪቃ’ውን እንተኾነ፣ ኣብዛ ኣህጉር ንዘሎ ሰኣን ብቑዕ ምሕደራ ንዝኽሰት ጸገማት ክፍትሕ ይኹን፣ ብዶብን ካልእን ንዝተሰሓሓባ ሃገራት ናይዛ ኣህጉር ከቀራርብ፣ ፖለቲካዊ፣ ቁጠባዊን ወትሃደራዊን ዓቕሚ ኣብ ርእሲ ዘይምህላዉ፣ መሳርሒ ናይተን መወልቱ ዝኾና ከም ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኤውሮጳን ዝኣመሰላ ትካላት ምዃኑ’ዩ ዝንቀፍ።

1.3 ቢልዮን ዝግመት ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ኣህጉር ኣፍሪቃ፣ ዝበዝሐ ካብኡ ኣብ ትሕቲ መስመር ድኽነት ዝነብርን፣ ከም ትምህርቲ፣ ጥዕና፣ ጽሩይ ዝስተ ማይን መራኸቢታትን ዝኣመሰለ መሰረታዊ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ዝተሓረሞን’ዩ።

ኣብዚ ዓለምና፣ ኮረና ቫይረስ ንምምካት እተካይዶ ዘላ ከም ክታበት ዝኣመሰለ ስነ ፍልጠታውን ቁጠባውን ርብርብ ድማ፣ ኣህጉር ኣፍሪቃ፣ ንበይና ተገሊላ፣ ተጸባይት ናይ ግዳም ሓገዝ ኮይና ትቕጽል ኣላ።

ኣብ ርእሲ’ዚ፣ ዳርጋ ኩለን ሃገራት ናይዛ ኣህጉር፣ ን10ታት ዓመታት ክልቅሕኦ ዝጸንሓ ቢልዮናት ዶላራት ዝግመት ዕዳ፣ ንቁጠባዊ ሕውየተን ሓኒቑ ሒዙወን ከምዘሎ ተንተንቲ የረድኡ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0