ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ሳህለወርቅ ዘውዴ፣ ‘ቀዳማይ ኣብይ ኣሕመድ ነዛ ሃገር ናብ ኩሉ ዝልሕም ባርዕ ቀይሩዋ ኣሎ።’ ከምዝበለተ ንዝገልጽ ጸብጻባት ነጺጋቶ

Radio Erena: 25 November 2021

ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ሳህለወርቅ ዘውዴ፣ ‘ቀዳማይ ኣብይ ኣሕመድ ነዛ ሃገር ናብ ኩሉ ዝልሕም ባርዕ ቀይሩዋ ኣሎ።’ ከምዝበለተ፣ ብቋንቋ ፈረንሳ ኣብ እትሕተም መጽሔት፣ ዠን ኣፍሪክ፣ ንዘቕረቦ ጸብጻብ ነጺጋቶ።

እታ ፕረዚደንት፣ ብትዊተር ኣብ ዘመሓላለፈቶ መልእኽቲ፣ ነቲ ኣብ ሓደ ካብ ዓበይቲ መጽሔታት ዓለም ዝቐረበ ዓንቀጽ ዘዳለወ ጋዜጠኛ ከምዘይረኸበቶ ብምጥቃስ፣ ኣብ መንጎ መራሕቲ ኢትዮጵያ ምክፍፋል ንምፍጣር ዝተገብረ ውዲት’ዩ ክትብል ወቒሳ።

ኣብ ፈረንሳ እትሕተም መጽሔት ዥን ኣፍሪክ፣ ኣብ ጉዳያት ኣፍሪቃ ዘተኮረ ዛዕባታት ብዕምቆት እትድህስስ ኮይና፣ ትሕዝቶታታ ‘ዘ ኣፍሪካ ሪፖርት’ ኣብ ዝተባህለ ማዕከን ዜና’ውን ብቋንቋ እንግሊዝ ተተርጕሙ ይቐርብ’ዩ።

እዛ መጽሔት፣ ብ23 ሕዳር፣ ኣብ ኩነታት ኢትዮጵያ ኣመልኪታ ኣብ ዘቕረበቶ ትሕዝቶ ድማ’ያ፣ ፕረዚደንት ሳህለወርቅ፣ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ብዙሕ ዘየሰማምዓ ነጥብታት ከምዘለዋ ዝገለጸት።

ኣብቲ ዝቐረብ ጸብጻብ፣ ጽምብላዊ ስልጣን ዘለዋ ፕረዚደንት ሳህለወርቅ፣ ንፖሊሲታት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ከምእትቃወምን፣ ንሱ ዝኽተሎ ዘሎ ምሕደራ ንኢትዮጵያ ናብ ዘየዕረፍ ኵናት ይሸማን ከምዘሎን ምጥቃሳ ተዘርሪዙ ዝርከብ።

ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ብደረጃ ኣምባሳደር ዝሰርሐትን ኣብ ሕቡራት ሃገራት’ውን ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሕታት ተመዲባ ዝዓየየትን ፕረዚደንት ሳህለወርቅ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ከምዘይትድግፍን ስልጣና ብወለንትኣ ንምሕዳግ መደብ ከምዝነበራን’ ውን ይጥቀስ’ዩ።

እንተኾነ ‘ንዘሎ ናይ ኢትቶጵያ ብድሆታት ካብ ርሒቕካ ኣብ ውሽጢ ኮይንካ ምፍታሕ ይሓየሽ’ ካብ ዝብል እምነት፣ ዘተ ናይ ምቕጻል ድሌታት ከምዘለዋ ኣብቲ መጽሔት ተኣንፊቱ ኣሎ።

ይኹን’ምበር እታ ፕረዚደንት ንኹሉ’ቲ ኣብ መጽሔት ዥን ኣፍሪክን ዘ ኣፍሪካን ሪፖርትን፣ ብቋንቋታት ፈረንሳን እንግሊዝን ቀሪቡ ዘሎ ሰፊሕ ትሕዝቶ፣ ንብምሉኡ ‘ሓሶት’ዩ’ ክትብል ነጺጋቶ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0