‘ፈረንሳ፣ ገማግም ባሕራ መቓብር ብጀላቡ ናይ ዝሰግሩ ሓተቲ ዑቕባን ስደተኛታትን ክትከውን ኣይንሓድጋን ኢና።’ ፕረዚደንት ማክሮን

Radio Erena: 25 November 2021

ገማግም ባሕሪ ፈረንሳ፣ ካብ ጎማ ብዝተሰርሓ ጀላቡ ተጠቒሞም ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር ፈቲኖም ናይ ዝጥሕሉ ሰባት መቓብር ክኸውን ኣይንፈቅድን ኢና ክብል ፕረዚደንት ኢማኑኤል ማክሮን ገሊጹ።

እቲ ፕረዚደንት ነዚ ዝገለጽ፣ ካብ ገማግም ባሕሪ ፈረንሳ፣ ብናይ ጎማ ጃልባ ተበጊሶም ናብ ብሪጣንያ ንምእታው ዝፈተኑ 31 ሓተቲ ዑቕባን ስደተኛታት፣ ብ24 ሕዳር ጥሒሎም ምስ ሞቱ ኣብ ዝተላዕለ ጉዳይ’ዩ።

ብሪጣንያ፣ ንዋሕዚ ሓተቲ ዑቕባን ስደተኛታትን ንፖለቲካዊ ዕላማ ከተጋንኖ የብላን እትብል ፈረንሳ፣ ተወሳኺ ሞት ንኸይስዕብ ብሓባር ንምስራሕ ቅርቡነታ ከተርኢ ተማሕጺና።

ብሪጣንያ ብወገና፣ ፈረንሳ፣ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ገማግም ባሕራ ብጽኑዕ ክትሕሉ’ያ ትጽውዕ።

ኣብዚ ሳልስት’ዚ ድሕሪ ዘጋጠመ ሞት ሓተቲ ዑቕባን ስደተኛታትን፣ ፕረዚደንት ፈረንሳ፣ ኢማኑኤል ማክሮንን ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ፣ ቦሪስ ጀንሰንን፣ ኣብ ክሊ ማይ ክልቲኤን ሃገራት ተወሳኺ ሞት ንኸይስዕ፣ ናይ ሓባር ሓለዋ ከዋፍሩ ከምዝተሰማምዑ ተገሊጹ።

ኣብዚ ዓመት’ዚ፣ ካብ ገማግም ባሕሪ ፈረንሳ ብጀለቡ ናብ ብሪጣንያ ናይ ዝኣተዉ ስደተኛታት ብዝሒ ልዕሊ 18 ሽሕ ክበጽሕ እንከሎ፣ ኣስታት 7 ሽሕ ድማ ብሓለዋ ገማግም ባሕሪ ፈረንሳ ካብ ማእከል ባሕሪ ተመሊሶም።

ፖሊስ ፈረንሳ፣ ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ኣብ እትርከብ ከተማ ዳንኪኽ ንዝተኣኻኸቡ፣ ኣማኢት ዜጋታት ኤርትራ ዝርከብዎም ኣስታት 1500 ሓተቲ ዑቕባን ስደተኛታትን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምብታኖም ይዝከር።

ኣብ ርእሲ’ዚ ኣብ ምስግጋር ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ዝተዋፈሩዮም ንዝበልዎም 13 ጥርጡራት ኣብ ቀይዲ ኣእትዮም’ዮም።

ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር፣ ኣብ ሰሜናዊ ፈረንሳ ዝተኣኻኸቡ ኤርትራውያን፣ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ብዘጋጠሞም ናይ ባቡር ሓደጋ፣ ሓደ ክመውት እንከሎ ሰለስተ ድማ ከምዝቖሰሉ ይዝከር።
==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0