ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ውሽጢ ሒደት ኣዋርሕ መበል ራብዓይ መልእኽቲ ናብ ፕረዚደንት ሱዳን ልኢኹ

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ውሽጢ ሒደት ኣዋርሕ መበል ራብዓይ መልእኽቲ ናብ ፕረዚደንት ሱዳን ልኢኹ

Radio Erena: April 8, 2014

Issias Al Bashir

ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍን ፖለቲካዊ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኤርትራን ኣቶ የማነ ገብረኣብ ዝመርሖ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ዶባት ኤርትራን ሱዳንን ንዝርአ ዘሎ ፍኑይ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ብዝምልከት ንምዝታይ ካርቱም ኣትዩ።

ኣቶ የማነ፣ ጎኒ ጎኒ’ቲ ዝካየድ ዝርርባት፣ መልእኽቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ’ውን ናብ ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ከምዘብጽሐ ማዕከናት ዜና ሱዳን ገሊጸን።

 

ኣብ ዶብ ኤርትራን ሱዳንን ገኒኑ ዘሎ ፍኑይ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት፣ ንጸጥታ ክልትኤን ሃገራት ኣስጋኢ’ዩ ብዝብል ሓባራዊ ናይ ጸጥታ ኣባላት ከዋፍራ ኣብ ምዝርራብ ከምዘለዋ’ውን ምንጭታት ዜና ሱዳን ይጠቕሳ።

መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃ ምስ መንግስቲ ሱዳን ዝሓሸ ስልታዊ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ከምዘለዎ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ብዘይካ’ቲ ንዶባት ዝምልከት ጉዳያት ኣብ ጉዳይ ደቡብ ሱዳን’ውን ሓባራዊ መርገጺ ምሓዞም ይዝከር።

ምስ ኢትዮጵያ’ውን ጥቡቕ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ዘለዎ ፕረዚደንት ኣልበሽር፣ መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ንምቕርራቦም ክሰርሕ ምኳኑ ደጋጊሙ’ዩ ዝግለጽ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብዘን ዝሓለፋ ሒደት ኣውራሕ ምስ ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር መልእኽታት ክለዋወጡ እዚ ንሳራብዓይ ግዜኡ’ዩ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኣብ ሱዳን ዝጸንሖ ዲፕሎማስያዊ ተልእኾ ዛዚሙ ናብ ኣስመራ ክምለስ ምዃኑ ዝንገረሉ ዘሎ ኣምባሳደር መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ሱዳን መሓመድ ስዒድ ምስ ፕረዚደንት ኣልበሽር ኣብ ተመሳሳሊ ጉዳያት ከምእተዘራረበ ጸብጻብ ማዕከናት ዜና ሱዳን ሓቢሩ።

ኣብ ካልእ ዜና’ውን መንግስቲ ሱዳን ኣብታ ሃገር ንዝነብሩ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ናይ ወጻኣኢ ዜጋታት መንበሪ ፍቓድ ንምሕዳስ ሓድሽ መስርሕን ወሰኽ ክፍሊትን ከተኣታቱ ምዃኑ ይግለጽ ኣሎ።
=============================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0