ፕረዚደንት ኣልበሽር፣ ዘተ ሃገራዊ ዕርቒ ንምትብባዕ፣ ናይ ፖለቲካ እሱራት ክፍትሑ ኣዚዙ

ፕረዚደንት ኣልበሽር፣ ዘተ ሃገራዊ ዕርቒ ንምትብባዕ፣ ናይ ፖለቲካ እሱራት ክፍትሑ ኣዚዙ

Radio Erena: April 9, 2014

Sudan Political prisoners

ፕረዚደንት ኣልበሽር፣ ፖለቲካዊ ጽገና ንምክያድ ምስ ኩሎም ተቓወምቲ ወገናት ክካየድ ተወጢኑ ዘሎ ሃገራዊ ዘተ ንምዕዋት፣ ናይ ፖለቲካ እሱራት ክፍትሑ ኣዘዙ።

ፕረዚደንት ኣልበሽር ምስ ልዕሊ 50 ኣባላት ዝተፈላለያ ተቓወምቲ ስልፍታትን ውድባትን ኣብ ዘካየዶ ርክብ፣ ሃገራዊ ዕርቒ ንምትግባር ተበጊሱ ከምዘሎ ብምጥቃስ፣ ነዚ ንምርግጋጽ ድማ ኣብ ፕረስ ጸኒዑ ዝጸንሐ ሕግታት ከፍኩሶ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

 

ብዘይካ ፖለቲካውያን ተቓወምቲ ዕጡቓት ተቓወምቲ’ውን ኣብቲ ሃገራዊ ዕርቒ ንምስታፍ ባይታ ኣንጺፉ ከምዘሎ ብምሕባር ድማ፣ ኣብ ሱዳን ኣጠቓላሊ ሰላም ክሰፍን ዘለዎ ድሌት ገሊጹ።

መርሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ኡማ፣ ሳዲቕ ኣል ማህዲ፣ እቲ ዘተ ሃገራዊ ዕርቒ ኣቐዲሙ ክሓተሉ ዝጸንሐ ምዃኑ ብምሕባር፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ክካየድ ምውሳኑ ከምዘሐጎሱ’ዩ ሓቢሩ።

መራሒ ሰልፊ ህዝባዊ ባይቶ ፕሮፌሰር ሓሰን ኣል ቱራቢ ብወገኑ ድማ፣ ኣብቲ ዘተ ሃገራዊ ዕርቒ ክሳተፍ ቅሩብ ከምዘሎ ብምርግጋጽ፣ ኣብቲ ዘተ ምስ ዝኾነ ፖለቲካዊ ውድብ ወይ ሰልፊ ጸግዒ ዘይብሎም ናጻ ኣካላት’ውን ክሳተፉ ከምዘለዎም ተማሕጺኑ።

እንተኾነ፣ ሓያሎ ካልኦት ዓበይቲ ተቓወምቲ ሰልፍታት ሱዳን፣ እቲ ዘተ ሃገራዊ ዕርቒ ንዕድመ ስልጣን ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ንምንዋሕ ዝተወጠነ’ዩ ክብሉ ይነቕፍዎ።

እቲ ብልፍንቲ 17 ፖለቲካዊን ውድባት ዝቖመ ኪዳን ዝተሰምየ ተቓወሚ ሰልፊ፣ ነቲ ብፕረዚደንት ኣልበሽር ዝቐረበሉ ዕድመ ሃገራዊ ዘተ ከምዝነጸጎ ብወግዒ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ጽገናዊ ለውጢ ብምጥላብ ካብቲ ስልጣን ዘሎ ሰልፊ ሃገራዊ ባይቶ ዝተሰጎ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣልበሽር ነበረ ቓዚ ሳልሓዲን ኣጣባኒ ዝመርሖ ተቓዋሚ ሰልፊ’ውን፣ ኣብዚ ሃገራዊ ዘተ ዘለዎ ስኽፍታታ ገሊጹ ይርከብ።

ካብ 1989 ኣትሒዙ ን25 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዘሎ ፕረዚደንት ኣልበሽር፣ ኣብ ዝመጽእ ምርጫ ከምዘይሳተፍን ስልጣኑ ንኻልእ ዝተመርጸ ዜጋ ከረክብ ምዃኑን ዝእንፍት እኳ እንተኾነ፣ ከምቲ ኩሎም መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝገብርዎ፣ ኣብ ኣጋ እቲ ምርጫ፣ ብድሌት ህዝብን ሰልፈይን ክወዳደር ተገዲደ ምባሉ ኣይተርፍን’ዩ ክብሉ’ውን ተንተንቲ ፖለቲካ ሱዳን ይገልጹ።
================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0