ፕረዚደንት በሽር፣ ንሚኒስተር ምክልኻል፣ ቀዳማይ ምክትሉ ክኸውን መዚዝዎ

ፕረዚደንት በሽር፣ ንሚኒስተር ምክልኻል፣ ቀዳማይ ምክትሉ ክኸውን መዚዝዎ

Radio Erena: 25 February 2019

ንዝበዝሑ ሰበ ስልጣናቱ ዝኣለየ ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር፣ ንሚኒስተር ምክልኻል ጀነራል ዓዋድ ኢብን ዖውፍ ቀዳማይ ምክትል ፕረዚደንት ክኸውን መዚዝዎ።

እቲ ፕረዚድንት ብዘይካ’ዚ ንኣማሓዳሪ ዞባ ምዕራብ ጀዚራ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ክኸውን ረቑሕዎ።

ክልቶም ተወሳኺ መዝነት ተዋሂብዎም ዘሎ ሰበ ስልጣን ሱዳን፣ ፕረዚደንት በሽር፣ ቅድሚ 30 ዓመታት፣ ብወትሃደራዊ ዕልዋ ናብ ስልጣን ኣብ ዝመጸሉ እዋን እሙናት ደገፍቱ ምንባሮም ሰነዳት እታ ሃገር የመልክት።

ፕረዚድንት ሱዳን፣ ንዝበዝሑ ሰበ ስልጣናቱ ብምእላይ ብእሙናቱ ዝትክኦም ዘሎ፣ ኣንጻሩ ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ተቓውሞ ብሰንኪ ዝፈጠረሉ ከቢድ ስግኣት’ዩ።

እቲ ፕረዚደንት ብ22 ለካቲት፣ ንሓደ ዓመት ዝጸንሕ ናይ ህጹጽ እዋን ከምዝኣወጀ ዝፍለጥ’ዩ።

ፕረዚደንት በሽር፣ ብደረጃ ሃገር ናይ ህጹጽ እዋን ዝእውጅ ዘሎ፣ ኣብቲ ምስ ኤርትራ ዘዳውብ ከባቢታት ምብራቕ ሱዳን ኣንቢርዎ ዝነበረ ኣዋጅ ብምልዓል፣ ተዓጽዩ ዝጸንሐ ዶብ ምስ ኤርትራ ክኽፈት ካብ ዝውስን ወርሒ ኣብ ዘይመላሉ ግዜ’ዩ።

ካልኣይ ወርሑ ኣቑጽሪ ዘሎ ህዝባዊ ተቓውሞ ሱዳን፣ ብናህሪ ዋግታት መሰረታውያን መግብታትን ሃለኽቲ ነገራት እኳ እንተተበገሰ፣ ን30 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝርከብ ወዲ 75 ዓመት ፕረዚደንት በሽር ጠቕሊሉ ክእለ’ዩ ዝጠልብ ዘሎ።

እዚ ኣብ ሱዳን ተአሲቱ ዘሎ ኩነታት፣ ኣብታሃገር ንዝርከቡ ኣስሓት ኤርትራውያን ሻቕሎት ፈጢርሎም ይርከብ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0