ኤርትራን ሶማልን፣ ናይ ምሕዝነት ግጥም ኵዕሶ እግሪ ንዘይተፈልጠ እዋን ተሰጋጊሩ

ኤርትራን ሶማልን፣ ናይ ምሕዝነት ግጥም ኵዕሶ እግሪ ንዘይተፈልጠ እዋን ተሰጋጊሩ

Radio Erena: 25 February 2019

ኣብ መንጎ ኤርትራን ሶማልን ክካየድ ዝተወጠነ ናይ ምሕዝነት ግጥም ኵዕሶ እግሪ ከምዝተሰረዘ ተሓቢሩ።

ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ሶማልያ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ እቲ ዝሓለፈ ሰሙን፣ ኣብ ከተማ ሞቛድሾ ክካየድ ተወጢኑ ዝነበረ ናይ ትሕቲ 20 ዓመት ምሕዝነታዊ ግጥም፣ ናብ ካልእ እዋን ከምዝተሰጋገረ’ዩ ኣመልኪቱ።

ይኹን’ምበር እቲን16 ወይ 17 ለካቲት ተሰሪዑ ዝነበረ ግጥም ዝተሰረዘሉ ምኽንያት ይኹን ናብ ካልእ እዋን ተሰጋጊሩ እንተኮይኑ ድማ መዓስ ከምዝካየድን ኣየነጸረን።

ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ፣ ብዛዕባ ሓድሽ ናይ ግጥም መደባቱ ክሕብሮም ኣብ ትጽቢት ከምዘለው ንኣፈኛ ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ሶማል፣ ሻፊ ሙሕየዲን ኣቡበከር ብምጥቃስ መርበባት ሓበሬታ ሶማል ገሊጸን።

ብወገን ኤርትራ፣ ብዛዕባ ምስራዝ ይኹን ምስግጋር ምሕዝነታዊ ግጥም ምስ ሶማል ዝተዋህበ ወግዓዊ መግለጺ የለን።

ኤርትራ፣ ኣብ ሞቋድሾ ኣብ ዝካየድ ምሕዝነታዊ ግጥም ክትሳተፍ እንተኽኢላ፣ ድሕሪ 1988፣ ኣብ መሬት ሶማል ግጥም ዘካየደት ናይ መጀመርያ ሃገር ክትከውን’ያ።

ምስዚ ዘሎ ሓድሽ ሃዋሁ፣ ኣብ መንጎ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ፣ ሶማልን ጅቡቲን ምሕዝነታዊ ግጥማት ኵዕሶ እግሪ ክካየድ ምዃኑ ኣቐዲሙ ክጥቐስ ጸኒሑ’ዩ።

ካብ ናይ ስፖርት ዜና ከይወጻእና፣ ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ፣ ካብ 24 ለካቲት ክሳብ 3 መጋቢት ኣብ ዝቕጽል፣ መበል 11 ቅድድም ብሽክለታ ዙር ሩዋንዳ ትሳተፍ ኣላ።

ኣብዚ 2.1 መዐቀኒ ዘለዎ ኣህጉራዊ ቅድድም፣ ኢትዮጵያ’ውን ክትሳተፍ ምዃና እፍሊጣ እኳ እንተነበረት፣ ኣብ ውዱእ ሰዓት ገሊጻ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0