ፕረዚደንት ሶማል ሓሰን ሸኽ ማሕሙድን፣ ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶን ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ርክብ ኣካዪዶም

Radio Erena: 20 February 2023

እቶም መራሕቲ ክልቲኤን ሃገራት፣ ኣብ መበል 36 ዋዕላ መራሕቲ ሃገራት ሕብረት ኣፍሪቃ ንምስታፍ ኣብ ዝተረኽቡሉ እዮም ነቲ ርክብ ኣካዪዶሞ።

ኣብቲ ኣጋጣሚ፣ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፣ ሃገሩ ኣብ ሓባራዊ ቀጽሪ ቁጠባ ምብራቕ ኣፍሪቃ (EAC) ክትጽምበር፣ ኣገዳሲ እዩ ብምባል፣ ነቲ ቅድሚ ሕጂ ዘቕረበቶ ጠለብ ኣሐዲሱዎ።

ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ስልጣን ካብ ዝሕዝ ንደሓር፣ ሶማል ናብቲ ቁጠባዊ ቀጽሪ ናይ ምጽምባር ዕድላ እንዳዛየደ ይመጽእ ከምዘሎ እዩ ዝንገር።

ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ርክቦም፣ ብዛዕባ ጸጥታን ምልውዋጥ ስለያዊ ሓበሬታን እውን ከምዝዘተዩ፣ ካብ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ሶማል ዝተዋህበ መግለጺ የመልክት።

እቲ መግለጺ ብተወሳኺ፣ ሶማል ኣብ ቀጽሪ ሓባራዊ ቁጠባ ምብራቕ ኣፍሪቃ እንተተጸምቢራ፣ ናብ ካልኦት ሃገራት እውን ማዕጾ ከርሕወላ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ብሸምጋልነት ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ፣ ንሓያሎ ዓመታት ካብ ኣባልነት ኢጋድ ተገሊላ ዝጸንሐት ኤርትራ እውን ናብቲ ቀጽሪ ንምምላሳ ጻዕርታት ክካየድ ጸኒሑ’ዩ።

EAC ብኬንያ፣ ታንዛኒያን ዩጋንዳን ዝተጀመረ ተበግሶ ቁጠባዊ ምትሕግጋዝ ኮይኑ፣ ድሒረን ብሩንዲ፣ ሩዋንዳ፣ ደቡብ ሱዳንን ደሞክራስያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎን ብምጽምባረን፣ ክሳብ ዞባ ዓበይቲ ቀላያት ዝዝርጋሕ ሃገራት ዝጠርነፈ ናይ ቁጠባ ቀጽሪ እዩ።

===========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0