ሕብረት ኤውሮጳ፣ ካብ ሊብያ ንዝጣየሱ ስደተኛታት ሓገዝ ዝውዕል፣ 22 ሚልዮን ዩሮ ንሩዋንዳ ለጊሱ

Radio Erena: 20 February 2023

ሕብረት ኤውሮጳ፣ ካብ ሊብያ ንዝጣየሱ ስደተኛታት ሓገዝ ዝውዕል፣ ናይ 22 ሚልዮን ዩሮ ንሩዋንዳ ለጊሱ።

ሩዋንዳ፣ ኣብ ሊብያ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ዝጸንሑ ሓያሎ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ዝተፈላለያ ሃገራት፣ ጋሾራ ኣብ ዝተባህለ መዓስከር ስደተኛታት ክትቅበል ጸኒሓ’ያ።

ወኪል ሕብረት ኤውሮጳ በለን ካልቮ ኡያራ (Belen Calvo Uyarra) ኣብ መዓስከር ጋሾራ ኣብ ዝበጽሓትሉ እዋን ኣብ ዝሃበቶ ቃል፣ እቲ ምትሕብባር ክሳብ 2026 ዓመተ ምህረት ዝጸንሕ ኮይኑ፣ ብምትሕብባር ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ተጸዋዒ ስደተኛታትን ሩዋንዳን ዝካየድ ምዃኑ ኣመልኪታ።

ሩዋንዳ፣ ነቲ መዕቆብ ስደተኛታት ከም ምንጪ ኣታዊ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ክትጥቀመሉ እንከላ፣ ሃገራት ኤውሮጳ ከኣ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ዝወጠኖኦ ፕሮጀክት እዩ ክብሉ ተጣበቕቲ መሰል ስደተኛታት፣ ኣብ ልዕሊ’ቲ መዓስከር ዘለዎም ዘይዕጋበት ክገልጹ ጸኒሖም’ዮም።

ኣብ መዓስከር ጋሾራ ዝነበሩ ሓያሎ ኤርትራውያን ዳግማይ ናይ ስደት ጉዕዞኦም ብምጅማር ብምድረበዳ ሰሃራን ማእከላይ ባሕሪን ኣቢሎም፣ ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ሰጊሮም እዮም።

ካብ ሊብያ ናብ ሩዋንዳ ናይ ምጥያስ መስርሕ ኣብ ወርሒ መስከረም ናይ 2019 ካብ ዝጅምር ንደሓር፣ ብውሑዱ 1,500 ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን ናብቲ መዓስከር ተወሲዶም ምህላዎም ጸብጻባት የመልክቱ።

===========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0