ፕረዚደንት ሶማል፣ ኣብ ሞቛድሹ ጠበንጃ ዝሓዙ ሰባት ከይንቀሳቐሱ ኣዚዙ

Radio Erena: 11 April 2023

ፕረዚደንት ሶማል፣ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፣ ኣብ ከተማ ሞቛድሹ፣ ጠበንጃ ዝሓዙ ሰባት ከይንቀሳቐሱ ዝኽልክል ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ።

እቲ ፕረዚደንት፣ ብ07 ሚያዝያ፣ ኣብ ዘሕለፎ ትእዛዝ፣ ካብ ኣልሸባብ ንምክልኻል ብዝብል ጉልባብ፣ ሸጓጉጥ ዓጢቖም ኣብ ጎደናታት ከተማ ሞቛድሹ ዝንቀሳቐሱ ሰባት ምኽንያታዊ ከምዘይኮነ ኣረዲኡ።

ንሱ፣ ነቲ ትእዛዝ ብምጥሓስ፣ ጠበናጁ ሒዞም ኣብ ጎደናታት ንዝንቀሳቐሱ ሰባት ከምዘይጻወር ኣጠንቂቑ።

ኣብ ርእሲ’ዚ፣ ዋሕዚ ጠበናጁ ንምቑጽጻር፣ ዘይሕጋዊ ንግዲ ኣጽዋር ምግታእ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣስሚርሉ።

ፕረዚደንት ሓሰን፣ ነጋዶ፣ ጠበናጁን ተተኳሲን ጥራይ ዘይኮነ፣ መብዛሕትኡ እዋን ኣብ ወትሃደራዊ መዓላ ዝውዕላ ብ ‘ዓብዲ ቢለ’ ዝፍለጣ፣ ፒክ ኣፕ ቶዮታ ዝዓይነተን መኪና’ውን ከየእትዉ ከምዝኸልከለ ሓቢሩ።

ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ወትሃደራዊ ወፍሪ፣ ኣብ ትሕቲ ኣልሸባብ ዝነበራ ልዕሊ 70 ከተማታትን ሓውሲ ከተማታትን ሓራ ከምዝገበረ ዝገልጽ መንግስቲ ሶማል፣ ነታ ሃገር ናብ ምሉእ ሰላምን ርግኣትን ንምስግጋር ጻዕርታቱ ይቕጽል ምህላዉ ይጠቕስ።
===================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0