ኣብ ከተማ ቆቦ፣ ሚሊሻታት ኣምሓራ – ፋኖን ሰራዊት መንግስቲን ተታዅሶም

Radio Erena: 11 April 2023

 

ኣብ ክልል ኣምሓራ፣ ከባቢ ከተማ ቆቦ፣ ኣብ መንጎ ሚሊሻታት ፋኖን ሰራዊት መንግስቲን ናይ ቶኽሲ ምልውዋጥ ከምዝተኻየደ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ሓቢሮም።

ኣብቲ ብ10 ሚያዝያ ዝተኻየደ፣ ከብድቲ ብረታት ዝተሓወሶ ናይ ቶኽሲ ምልውዋጥ፣ ኣርባዕተ ሰባት ከምዝተቐትሉ ክግለጽ እንከሎ፣ ክልተ ካብኣቶም ሰራሕተኛታት ካቶሊካዊ ትካል ረዲኤት (Catholic Relief Services) ምዃኖም እቲ ትካል ኣረጋጊጹ።

እቲ ንሓያሎ ሰዓታት ዝተኻየደ ናይ ቶዅሲ ምልውዋጥ፣ ድሕሩ ዝግ እኳ እንተበለ፣ ኣብታ ከተማ ገና ወጥሩ ሰፊኑ ከምዘሎ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ገሊጾም።

ከተማ ቆቦ፣ ኣብ ትግራይ ድሕሪ ዝተወልዐ ኵናት፣ ሓንቲ ካብ ኣውራ መዋፈሪት ሚሊሻታት ኣምሓራ ምንባራ ይፍለጥ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ሚሊሻታትን ፍሉይ ሓይሊ ክልላትን ከም ሓድሽ ንምውዳብ ዘሕለፎ ውሳኔ፣ ንሓይልታት ኣምሓራ ንምብታን’ዩ ብዝብል ኣብታ ክልል ሓያሎ ተቓውሞ ይካየድ ኣሎ።

እቲ መንግስቲ፣ ተቓውሞ ናብ ጎነጽ ከየምርሕ ብምስጋእ፣ ኣብ ዝበዝሓ ዓበይቲ ከተማታት ናይታ ክልል፣ ብኮማንድ ፖስት ዝተመሓላለፈ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ ኣብ ምትግባር ይርከብ።

ዛጊት ኣብ ጎንደር፣ ደሴን ደብረብርሃንን፣ ብዘይካ ሰራዊት መንግስቲ ካልኦት ሰባት ጠበናጁ ሒዞም ከይንቀሳቐሱ ክኽልክል እንከሎ፣ ንሚሊሻታት ዝወሃብ ታዕሊም ደው ክብልን ዝኾነ ወትሃደራዊ ልብሲ ከይወድዩን ኣዊጁ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ሓያል ተቓውሞ ከይካየደላ ተሰጊኣ ኣብ ዘላ፣ ርእሰ ከተማ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝኾነት፣ ባህርዳር፣ ብ09 ሚያዝያ፣ ኣብ ሓደ ሆቴል ብዝተፈንጀረ ቦምብ ሓያሎ ሰባት ግዳያት ሞትን መቝሰልትን ከምዝኾኑ ተፈሊጡ።

መንግስቲ ንዘሕለፎ ዳግመ ውደባ ሚሊሻታትን ፍሉያት ሓይልታትን፣ ብፍላይ ንሓይልታት ኣምሓራ ዕጥቖም ብምፍታሕ፣ ከምዝብተኑ ድሕሪ ምግባር፣ ንምዕራብ ትግራይ ናብ ክልል ትግራይ ንምምላስ ዝተወጠነ መደብ ምዃኑ’ዮም ዝተፈላለዩ ተንተንቲ ናይቲ ክልል ዝጠቕሱ።

ከተማ ሑመራ እትርከቦ ከባቢ ወልቃይት ካልእን ዘጠቓለለ ዞባ ምዕራብ ትግራይ፣ ምስ ምውላዕ ኵናት ሰሜን ኢትዮጵያ፣ ኣብ ሕዳር 2020፣ ኣብ ትሕቲ ዕጡቓት ኣምሓራ’ዩ ዝርከብ።

መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን፣ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብዝበጽሕዎ ስምምዕ መሰረት፣ ሰራዊት ኤርትራን ሓይልታት ኣምሓራን ክወጽኡን፣ ቅድሚ’ቲ ኵናት ዝነበረ ግዝኣታት ናብ ትግራይ ክምለስን ዘጠቓለለ’ዩ።

ምስ ኤርትራን ሱዳንን ዝዳወብ ምዕራብ ትግራይ፣ ንክልላት ትግራይን ኣምሓራን ዘሰሓሕብ ሰፊሕ ክፋል ዞባ ‘ዩ።

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ፍሉያት ሓይልታትን ሚሊሻታትን ዳግም ናይ ምውዳብ መደብ፣ ኣብ ርእሲ’ቲ ምስ ምዕራብ ትግራይ ተተሓሒዙ ዝወሃቦ ዘሎ ትንታነታት፣ ነቲ ምስ ክልል ኦሮሞ ኣብ ምስሕሓብ ዝርከብ ክልል ኣምሓራ ዘዳኽም ስጉምቲ ምዃኑ’ውን ዝተፈላለዩ ወገናት ናይቲ ክልል ስግኣቶም ይገልጹ።

እንተኾነ፣ መንግስቲ ኢትዮዮጵያ እቲ መደብ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመታት ዝተጸንዐ ምዃኑን፣ ኣብ ኩለን ክልላት ብማዕረ ከምዝካየደን የመልክት።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0