ፕረዚደንት ሳልቫኪርን ተቓዋሚኡ ሬክ ማቻርን ኣብ ካርቱም ካልኣይ ርክብ ኣካይዶም

ፕረዚደንት ሳልቫኪርን ተቓዋሚኡ ሬክ ማቻርን ኣብ ካርቱም ካልኣይ ርክብ ኣካይዶም

Radio Erena: 27 June 2018

South Sudan

ቅድሚ ሓደ ሰሙን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዘካየድዎ ዝርርብ ኣብ ስምምዕ ክበጽሑ ዘይክኣሉ ፕረዚደንት ደቡብ ሱዳን ሳልቫኪር ሚያርዲትን ተቓዋሚኡ ሬክ ማቻርን ኣብ ካርቱም ካልኣይ ርክብ ኣካይዶም።

ኣብቲ ብመንጎኝነት ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ዝካየድ ዘሎ ዘተ ክልቲኦም ወገናት፣ እንደገና ናይ ልፍንቲ መንግስቲ ንምቛም ዝዓለመ’ዩ።

“ፕረዚደንት ኪርን ተቓዋሚኡ ማቻርን ብሓባር ንምስራሕ ቅሩባት ኣይኮኑን” ተባሂሉ ኣብ ዝድምደመሉ ዘሎ እዋን፣ እዚ ብፕረዚደንት በሽር ተወሲዱ ዘሎ ተበግሶ ከቐራርቦም ከምዝኽእል ሓድሽ ተስፋ ኣንቢሩ ኣሎ።

ኣብቲ ብ25 ሰነ ኣብ ካርቱም ተጀሚሩ ዘሎ ዘተ ሰላም ደቡብ ሱዳን፣ ፕረዚደንት ኡጋንዳ ዮዌሩ ሙሴቬኒ’ውን ከምዝተረኽበ ማዕከናት ዜና ካብታ ከተማ ኣረጋጊጸን።

ኣብዚ ተጀሚሩ ዘሎ ዘተ፣ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ሓደ ሓደ ነጥብታት ክረዳድኡ ከምዝኸኣሉ ብወገን ሱዳን ይግለጽ እኳ እንተሎ፣ ዝርዝሩ ገና ኣይተነጸረን።

====================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0