ብሚኒስተር ዑስማን ሳልሕን ኣቶ የማነ ገብርኣብን ዝተወከለ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ

ብሚኒስተር ዑስማን ሳልሕን ኣቶ የማነ ገብርኣብን ዝተወከለ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ

Radio Erena: 26 June 2018

Eritrean delegation in Addis

ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብርኣብን ዝተወከለ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ፣ ብዛዕባ ዘተ ሰላምን ምሕንጻጽ ዶብን ፈላም ዘተ ንምክያድ ሎሚ 26 ሰነ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ።

እቲ ልኡኽ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝትኣተወሉ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ዶክተር ወርቅነ ገበየሁን ዝርከብዎም ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ድሙቕ ኣቀባብላ ጌሮምሉ።

ብዘይካ’ዚ፣ ከም ዶክተር ኣርከበ ዑቕባይ፣ ጀነራል ብርሃኑ ጁላን ኣሕመድ ሸዴን ዝኣመሰሉ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያን ኢህወደግ’ውን ኣብቲ ንልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ናይ ምቕባል ስነ ስርዓት ተረኺቦም።

ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ንምቕባል ኣብ ኣዲስ፣ ኣውራ ጎደናታት ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ቦሌ፣ እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም ዝብል ጽሑፍ ዝተንጠልጠሎ፣ ባንዴራ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብሓባር ተሰቒለን።

እቲ ልኡኽ ኣብ ኣመሪካ ምስጢራዊ ርክባት ከካይድ ድሕሪ ምጽናሕ’ዩ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ ዘሎ።
====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0