ፕረዚደንት ርዋንዳ ኣብ ኢትዮጵያ ምብጻሕ ኣካይዱ

ፕረዚደንት ርዋንዳ ኣብ ኢትዮጵያ ምብጻሕ ኣካይዱ

Radio Erena: 28 May 2018

kagame in ethiopia

ፕረዚደንት ሩዋንዳ ፓል ካጋመ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ክልተ መዓልታት ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ኣካይዱ።

እቲ ፕረዚደንት ኣብቲ ካብ 25 ክሳብ 27 ዘካየዶ ዑደት፣ ኣብ ጉዳይ ናይል፣ ናጻ ናይ ሰብን ንግድን ምንቅስቓስን ወፍርን ንግድን ዝኣመሰሉ ኣርእስታት ብምትኳር ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ተዘራሪቡ።

ፕረዚደንት ርዋንዳ ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ዑደቱ፣ ናብ ዓበይቲ ንግዳዊ ማእከላትን ኢንዱስትርያዊ ፓርክ ሃውስን ከምዝተዘዋወረ ተሓቢሩ።

 እዋናዊ ዋና ጸሓፊ ሕብረት ኣፍሪቃ ኮይኑ ኣብዚ ዓመት’ዚ መሪሕነት ዝተረከበ ፕረዚደንት ፖል ካጋመ፣ ብዘይካ’ቲ ምስ ኢትዮጵያ ዘካየዶ ኣብ ክልትኣዊ ጉዳያት ዘተኮረ ርክባት፣ ምስ ዝተፈላለዩ ሰበ ስልጣን ሕብረት ኣፍሪቃን ዞባዊ ውድባትን ብምርኻብ’ውን ከምዝዘተየ ተፈሊጡ ኣሎ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0