ፓርላማ ብሪጣንያ፣ ኣብ ኤርትራ ዝግበር ምግሃስ መሰል ሃይማኖታዊ ናጽነት ደው ክብል ጸዊዑ

ፓርላማ ብሪጣንያ፣ ኣብ ኤርትራ ዝግበር ምግሃስ መሰል ሃይማኖታዊ ናጽነት ደው ክብል ጸዊዑ

Radio Erena: 27 May 2018

aba shinoda and shek mahmudብሪጣንያ፣ ኣብ ኤርትራ ዝግበር ምግሃስ መሰል ሃይማኖታዊ ናጽነት ደው ንምባል ክትጽዕር ካብ ፓርላማ’ታ ሃገር ጻውዒት ቀሪቡ።

ፓርላማ ብሪጣንያ ነዚ ጻውዒት ዘቕረበ፣ ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ወከልቲ ሃይማኖታት ማሕበረሰብ ኤርትራ ኣብ ኣኼባ’ቲ ፓርላማ ቀሪቦም ንህሉው ሃይማኖታዊ ኩነታት ኤርትራ ኣመልኪቶም ድሕሪ ዝሃቡዎ መብርሂ እዩ።

እቶም መራሕቲ ሃይማኖታት ምስልምናን ክርስትናን ኣብ ዘቕረብዎ መብርሂ፣ ሎሚ ኣብ ኤርትራ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ዜጋታት ብሰንኪ ሃይማኖታዊ እምነቶም ኣብ መሓዩር ተደርብዮም ከምዘለዉ ምስናይ መርትዖታቱ ገሊጾም።

ፓርላማ ብሪጣንያ ነቲ ኣስታት ክልተ ሰዓት ዝወሰደ መብርሂ’ቶም መራሕቲ ሃይማኖት ድሕሪ ምስማዕ፣ ናብ መንግስቲ’ታ ሃገር ጻውዒት ኣቕሪቡ።

ገለ ካብቲ ዘቕረቦ ጻውዒት፣ ብሪጣንያ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝቖመ ፍሉይ ልኡኽ ዕድመ ስልጣኑ ክናዋሕ ክትጽዕር፣ መንግስቲ ኤርትራ ንዝኣተዎ ኣህጉራዊ ውዕል ከተግብር ጸቕጢ ክትገብረሉ፣ ከምኡ’ውን ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ኤርትራ መሰል ደቅሰብ ንዝረገጹ ውልቀሰባት ክሓተሉ ዝኽእል መካኒዝም ኣብ ምፍጣር ክትሕግዝ ዝብል ይርከቦ።

ፓርላማ ብሪጣንያ ብተወሳኺ ኢትዮጵያ ንውሳኔ ኮሚሽን ዶብ ተቐቢላ ተግባራዊ ክትገብሮ ጸቕጢ ክግበረላ ይጽውዕ።

======================= 

COMMENTS

WORDPRESS: 0