ፕረዚደንት ሙጋበ ኣብ ኣኼባታት ኣይድቅስን’ዩ ዓይኑ ዓሚቱ’ዩ ዘዕርፍ” ወሃብ ቃል

Radio Erena: 12 May 2017

Mugabe

ዕድመ ደፊኡ ዝርከብ ፕረዚደንት ዚምባብዌ ሮበርት ሙጋበ ኣብ ኣኼባታት ብምድቃሱ፣ መዛረቢ ማዕከናት ዜና ኮይኑሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ “እቲ ፕረዚደንት ይድቅስ ዘይኮነ ዓይኑ ዓሚቱ’ዩ ዘዕርፍ” ክብል ኣፈኛኡ ገሊጹ።

ኣፈኛ ጆርጅ ቻራምባ፣ ብመንግስቲ ዚምባብዌ ንእትውነን ጋዜጣ ሄራልድ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ “ፕረዚደንት ሙጋበ፣ ንደሚቕ ብርሃን ስለዘይጻወር፣ ኣብ መንጎ ንንውሕ ዝበለ ግዜ ዓይኑ ዓሚቱ ከዕርፍ ኣለዎ፣” ከምዝበለ ቢቢሲ ሓቢሩ።

ንሱ ብተወሳኺ፣ “ልክዕ ከም ማንዴላ፣ ፕረዚደንት ሙጋበ’ውን የዒንቱ ንደሚቕ ብርሃን ስለዘይጻወር፣ ክዕመት እንከሎ፣ ሰባት ከምዝደቀሰ ክገልጽዎ እንከለዉ የሕዝነኒ’ዩ” ክብል ኣረዲኡ።

ወዲ 93 ዓመት ኮይኑ ዘሎ ሙጋበ፣ ኣብ ኣኼባ ካቢኔ ሚኒስተራትን ኣብ ዝተፈላለየ ዞባውን ኣህጉራውን ዋዕላታትን ብተደጋጋሚ ክድቅስ’ዩ ዝርአ።

መበል 93 ዓመት ዕድሚኡ ኣብ ዝጸንበለሉ እዋን፣ ኣባላት ካቢነ ሚኒስተራቱ፣ ብኤለክትሪክ እትሰርሕ ዓረብያ ስንኩላን ከም ህያብ ከምዘበርከትሉ ኣይርሳዕን።

ይኹን’ምበር፣ እታ ከም ህያብ ዘበርከትሉ ዓረብያ ናይ ስንኩላን ዘይኮነት፣ ብኾፍካ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ንምክያድ እትሕግዝ መንበር’ያ ክትብል ሚኒስተር ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን እታ ሃገር ምግላጻ ይዝከር።

ን38 ዓመታት ንዙምባብዌ ዝመርሐ ሮበርት ሙጋበ፣ ብሰንኪ እርጋን ካብ ስልጣን ምእላዩ ኣይተርፎን’ዩ ኣብ ዝብሃለሉ ዘሎ እዋን፣ “ኣብ ብርኩ ዘስተንፍስን ኣብ ዝቕጽል ምርጫ ከኣ ክወዳደር ብቕዓት ዘለዎን’ዩ” ክብሉ’ዮም ደገፍቱ ዝጣበቑ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0