ኣባላት ጸጥታ መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ንኡስ ዞባ ዓዲ ዃላ፣ ጋዕቤን ኣብ ዝተባህለት ዓዲ ወዲ 85 ዓመት ኣቦ ዝርከብዎም ሓያሎ ዓበይቲ ዓዲ ኣሲሮም

Radio Erena: 11 May 2017

Adi Quala

ኣባላት ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ንኡስ ዞባ ዓዲዃላ ኣብ እትርከብ ጋዕቤን ዝተባህለት ዓዲ፣ ኣቶ ገብረመስቀል እምባየ ዝተባህሉ 85 ዓመት ዝዕድሚኦም ኣቦ ዝርከብዎም ብውሕዱ 10 ዓበይቲ ዓዲ ከምዝኣሰሩ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ኣረጋጊጾም።

እቶም ብሰንኪ ኣጠቓቕማ መሬትን ወዲ ዓዲ ንዘይኮነ፣ ብወዲ በላይ ንዝፍለጥ ኣባል ጸጥታ፣ ዘይግብኦ መሬት ተዋሂብዎ ብዝብልን ንዝተላዕለ ምስሕሓብ ንምሽምጋል ተበግሶ ዝወሰዱ ዓበይቲ ዓዲ፣ ብትእዛዝ ‘ቲ ወዲ በላይ ዝተባህለ ሓደ ካብ ሓለፍቲ ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን እቲ ንኡስ ዞባ ከምዝተኣስሩ እቶም ምንጭታት ጠቒሶም።

ብመሰረት እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ፣ ኣብ ፈለማ መምህር ዓንዲኪኤል ክፍልኣብን ተፈሪ ነጋሽን ዝተባህሉ ክልተ ዓበይቲ ዓዲ ጥራይ ተኣሲሮም እኳ እንተነበሩ፣ ሽማግለታት ዓዲ ጋዕቤን ተኣኪቦም፣ ጠንቂ መእሰሪ እቶም ክልተ ብጾቶም ኣብ ዝሓተትሉ ከኣ ዓሰርተ ካብኣቶም ብእኩብ ተኣሲሮም።

እቶም መብዛሕቶም ልዕሊ 60 ዓመት ዝዕድሚኦም ዓበይቲ ዓዲ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ኣቢሎም ካብ ዝተኣስርሉ፣ ዛጊት ናብ ኣብያተ ማእሰርቲ ሓልሓለ፣ ጋሕቴላይን ዓዲ ኣቤቶን ከምዝተሰጋገሩ’ውን እቶም ምንጭታት ብተወሳኺ የረድኡ።

ኣብ 2006’ውን እቲ መንግስቲ ብሰንኪ ተመሳሳሊ ናይ መሬት ምስሕሓብ ጉዳይ ልዕሊ ሓደ ሚእቲ ዝኾኑ ነበርቲ እታ ዓዲ ብእኩብ ኣሲሩ ምንባሩ ይዝከር።

 

ስእሊ፣ ዓዲ ዃላ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0