ፕረዚደንታት ጅቡትን ኣመሪካን ኣብ ጉዳይ ጸጥታ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክዝትዩ’ዮም

ፕረዚደንታት ጅቡትን ኣመሪካን ኣብ ጉዳይ ጸጥታ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክዝትዩ’ዮም

Radio Erena: April 17, 2014

Obama Gele

ፕረዚደንት ጅቡቲ እስማዒል ዑመር ገለ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብዝምልከት ምስ ፕረዚደንት ኣመሪካ ባራክ ኦባማ ክዝቲ ምዃኑ ተገሊጹ።

ፕረዚደንት ገለ፣ ድሕሪ ክልተ ሰሙን ምስ ፕረዚደንት ባራካ ኦባማ ክራኸብ መደብ ተታሒዙ ከምዘሎ ዘረጋገጸ ቤተመንግስቲ ዋይት ሃውስ፣ ኣውራ ዝዝተተሎም ነጥብታት ድማ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብፍላይ ኣብ ሶማልን ቀይሕ ባሕርን ዘሎ ኩነታት ከምዘተኩር ኣፊንቱ።

ኣብ 5 ግንቦት ዝካየድ ዘተ ፕረዚደንታት ጅቡትን ኣመሪካን፣ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝርከባ ሃገራት ኣብ ምምካት ሽበራን ካልእ ጸጥታዊ ኩነታት ቀይሕ ባሕርን ዘለወን ኣበርክቶ’ውን ክልዓለ ትጽቢት ኣሎ።

 

ጅቡቲ፣ ኣብ ርእሲ’ቲ ንኣመሪካ ወትሃደራዊ መዓስከት ምሃባ፣ ኣብ ሶማል ኣንጻር ኣልሸባብ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ዞባዊ ቃልሲ’ውን ብንጥፈት ካብ ዝዋስኣን ሰራዊተን ናብ ሶማል ካብ ዝልኣኻን ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ’ያ።

ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ሓርፋፍ ዝምድና ዘለዎ ፕረዚደንት እስማዒል ዑመር ገለ፣ ኣብቲ ምስ ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ ዘካይዶ ርክብ፣ ንኣሉታዊ ተራ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ መሊሱ ከጉልሖ ከምዝኽእል ይግመት።

መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ሎሊኡ ዝተነብረሉ እገዳ ንኽልዓለ፣ ኣብ ርእሲ’ቲ ዘካይዶ ዘሎ ጽዑቕ ዲፕሎማስያዊ ዘመተ፣ ምስተን ምስሉ ኣብ ምድዋን ሓያሎ ጎስጓስ ዘካይዳ ምስ ሃገራት ምዕራብ ጥቡቕ ዝምድና ዘለወን ጎረባብቲ ሃገራት’ውን ዝምድንኡ ምምሕያሽ ከምዘድልዮ ተንተንቲ ፖለቲካ ይጠቕሱ።

መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣሉታዊ ተራ’ዩ ዘሎ ብዝብል ኣብ ልዕሊኡ እገዳ ክጸንዕ ብዝልዓለ ካብ ዝተዋስኣ ሃገራት፣ ኢትዮጵያ፣ ኡጋንዳ፣ ኬንያን ጅቡትን ብቀዳምነት ይጥቐሳ።

=====================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0