መንግስቲ ጅቡቲ፣ ገና ሒዝዎም ዘሎ 19 ምሩዃት ኵናት ኤርትራ ንኽለቖም ጻዕርታት ይቕጽል ኣሎ

መንግስቲ ጅቡቲ፣ ገና ሒዝዎም ዘሎ 19 ምሩዃት ኵናት ኤርትራ ንኽለቖም ጻዕርታት ይቕጽል ኣሎ

Radio Erena: April 17, 2014

Elsa chyrum and defen

መንግስቲ ጅቡቲ ኣብ ቀይዲ ዘጽንሖም 267 ኤርትራውያን ናብ UNHCR ከረክቦም እንከሎ፣ ኣብ ኵናት ኤርትራን ጅቡትን ኣብ 2008 ዝተማረኹ 19 ኤርትራውያን ግና ከምዘይለቐቖም ተገሊጹ።

እቶም ብቅድሚ ትማሊ ናብ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተረከቡ ኤርትራውያን፣ ብሙሉኦም ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ኮይኖም፣ ዶባ እናሰገሩ ዑቕባ ዝሓተቱ’ዮም።

እቶም መንግስቲ ጅቡቲ ኣትሪፍዎም ዘሎ 19 ኤርትራውያን ግና፣ መንግስቲ ኤርትራ ሒዝዎም ዘሎ ምሩዃት ኵናት ጅቡቲ ክሳብ ዘይፈትሐ ክትሓዙ ምዃኖም’ዩ መንግስቲ እታ ሃገር ዝጠቕስ።

 

መንምግስቲ ኤርትራ፣ ብዛዕባ ምልውዋጥ ምሩዃት ኵናት ዝኾነ እወታዊ ምላሽ ካብ ምሃብ ሓንጊዱ ብምህላዉ፣ እዞም ከባቢ ዱሜራ ከባቢ ታባ ዓሊ ዝተማረኹ ኤርትራውያን መንእሰያት ንሽዱሽተ ዓመታት ኣብ ቤት ምእሰርቲ ይሳቐ’ዩ ኣለዉ።

እቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ጅቡትን ዝተላዕለ ምስሕሓብ ብመንጎኝነት ቐጠር ናይ ሽምግልና መስርሕ እኳ እንተተጀመረ፣ ጅሳብኢ እዚ እዋን’ዚ ውጽኢቱ ኣይተሓበረን።

ነዞም መንግስቲ ኤርትራ ክሒድዎም ዘሎ 19 ምሩዃት ኵናት ንኽልቐቑ፣ ኣብ ምፍታሕ እቶም 267 ኤርትራውያን ዓቢ ግደ ዝነበራ ኤልሳ ጭሩም ሕጂ’ውን ጻዕርታታት ክትቕጽል ምዃና ኣፍሊጣ ኣላ።

ሓደ ካብቶም ምሩዃት ኵናት ብሰንኪ ዝነበሮ መውጋእቲ ኣብ ጅብቱ ቤት ማእሰርቲ ነገድ ተታሒዝሉ ኣብ ዝነበረ እዋን ከምዝሞተ’ውን ይዝከር።

ጅቡቲ ኣብቲ ምስ ኤርትራ ዝተኽእየደ ኵናት 10ታት ወትሃደራታ ብኤርትራ ከምዝተማረኹ እኳ እንተገለጸት መንግስቲ ኤርትራ ግና ናይ እወታ ወይ ናይ ኣሉታ ምላሽ ኣይሃበን።

ከም ግብረ መልሲ ናይዚ ድማ መንግስቲ ጅቡቲ ነዞም ሒዞውም ዘሎ 19 ኤርትራውያን ምሩዃት ኵናት ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ክሕዞም ከምዝተገደደ ይገልጽ።

===============================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0