ፓርላማ ኢትዮጵያ፣ ንዓርቢ 4 ነሓሰ ህጹጽ ኣኼባ ከካይድ መጸዋዕታ ቀሪብሉ

ፓርላማ ኢትዮጵያ፣ ንዓርቢ 4 ነሓሰ ህጹጽ ኣኼባ ከካይድ መጸዋዕታ ቀሪብሉ

Radio Erena: 03 August 2017

ethiopian parlamentፓርላማ ኢትዮጵያ፣ ንዓርቢ 4 ነሓሰ ህጹጽ ኣኼባ ከካይድ ብመንግስቲ መጸዋዕታ ቀሪብሉ ከምዘሎ ማዕከናት ዜና ካብ ኣዲስ ኣበባ ሓቢረን።

ኣብ ዓመታዊ ዕረፍቲ ዝጸንሑ ኣባላት ፓርላማ ህጹጽ ኣኼባ ከካይዱ ዝተጸውዕሉ ምኽንያት ዛጊት ብንጹር እኳ እንተዘይተሓበረ፣ ነቲ ዓሰርተ ኣዋርሕ ኣቝጺሩ ዘሎ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ ንተወሳኺ ግዜ ንምንውሑ ዝዓለመ ክኸውን ከምዝኽእል ይግመት።

መንግስቲ ህጹጽ ናይ ፓርላማ ኣኼባ ክካይድ ዝጠልብ ዘሎ፣ ብጉዳይ ግብሪ ወነንቲ ንኣሽቱ ትካላት ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ከተማታት ክልል ኦሮሞን ተቓውሞ ኣብ ዘካይድሉ ዘለዉ እዋን’ዩ።

ብዘይካ’ዚ እቲ መንግስቲ፣ ብብልሽውና ዝተጠርጠሩ’ዮም ዝበሎም ልዕሊ 45 ሰበ ስልጣንን ነጋዶን ድሕሪ ምእሳሩ፣ ኣብ ኣባላት መንግስቲ ፍሕፈሐን ምትፍናንን ፈጢሩ ከምዘሎ’ዩ ዝጠቀስ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሰልፊ ኢህወደግ ብዛዕባ ህሉው ኩነታትን ምርጫ ብዝምልከት ምስ 16 ተቓወምቲ ሰልፍታት እታ ሃገር ዘተ ኣብ ምክያድ ይርከብ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0