ኤርትራዊ ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ግሪንላንድ፣ ብዓሌታዊ ኣድልዎ ካብ ስርሑ ከምዝተሰጎገ ገሊጹ

ኤርትራዊ ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ግሪንላንድ፣ ብዓሌታዊ ኣድልዎ ካብ ስርሑ ከምዝተሰጎገ ገሊጹ

Radio Erena: 03 August 2017

tekle ghebrelulተኽለ ገብረልኡል ዝተባህለ ኤርትራዊ ዝመበቖሉ ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ግሪንላንድ፣ ፈደረሽን እታ ርእሰ ምምሕዳር ብዓሌታዊ ኣድልዎ ካብ ስርሑ ከምዝሰጎጎ ገሊጹ።

ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ AFP ብዘቕረቦ ሓበሬታ መሰረት፣ ተኽለ ገብረልኡል ንሃገራዊት ጋንታ ግሪንላንድ ንኣርባዕተ ዓመታት ዘሰልጠነ ክኸውን እንከሎ፣ ብተደጋጋሚ እዋን ግዳይ ዓሌታዊ ጸርፍታት ክኸውን ከምዝጸንሐ’ዩ ዘመልክት።

 ጋዜጣ ሰርሚስታክ ብወገና፣ ወዲ 14 ዓመት ቆልዓ እንከሎ ናብታ ግዝኣት ደንማርክ ዝነበረት ርእሰ ምምሕዳር ግሪንላንድ ከምዝኣተወ ብምሕባር፣ ተኽለ ኑክ ቢ 67 (Nuuk B-67) ንዝተባህለት ንእሽቶ ክለብ ኣብ ዘሰልጥነሉ ዝነበረ እዋን’ውን ኣብ ሜዳ ብደገፍቲ ዓሌታዊ ጸርፊ ከምዝተጸርፈ ንሓንቲ መደበር ቴሌቪዥን ከም ኣብነት ብምጥቃስ ኣብ ዓምዳ ኣስፊራ።

ሓደ ካብ ተጻወቲ ኩዕሶ እግሪ እታ ሃገር፣ ንኣሰልጣኒ ተኽለ ገብረልኡል ምስ ባናና ምስ ዝበልዕ ህበይ ኣመሳሲሉ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ኣብ ትዊተር ስእሊ ድሕሪ ምዝርግሑ ብፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ግሪንላንድ ተኣጊዱ’ዩ።

ይኹን’ምበር እቲ ፈደረሽን ብዛዕባ ምስጓግ ተኽለ ካብ መዝነት ምስልጣን ንሃገራዊት ጋንታ ኣምልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ምስ ዝኾነ ዓሌታዊ ኣድልዎ ከምዘይትኣሳሰር’ዩ ዝማጎት።

ተኽለ ገብረልኡል ኣብነታዊ ናይ ስፖርት ዲስፕሊን ስለዘጉደለ፣ ቦርድ ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ግሪንላንድ ፣ዝሓለፈ ሓሙስ 27 ሓምለ ክሶጎ ከምዝወሰነ ፕረዚደንት ናይቲ ፈረደረሽን ጆን ቶርሰን ይጠቕስ።

እንተኾነ፣ “ንትሕቲ ዕድመ ቆልዓ ጸሪፍካ” ተባሂሉ ዝቐረበሉ ክሲ ምጉዳል ዲሲፕሊን፣ ነቲ ዝወረዶ ዓሌታዊ ኣድልዎ ንምሽፋን ዝተማህዘ ምዃኑ’ዩ ዝጣበቕ እቲ ኣሰልጣኒ።

========================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0